ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ንሚንስተራትን ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ምቅይያሩ ተገሊጹ


ብመሰረት መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ንጉስ ሳልማን ንሓላፊ ሓይልታት ምኽልኻልን ሓይሊ ምድሪ እታ ሃገርን ካልኦት ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ምቅይያሩ ገሊጹ።

እቲ ንጉስ ብተወሳኺ ናይ መጀመርያ ጓል ኣንስተይቲ ምክትል ሚንስትር ዕዮን ማሕበራዊ ምዕባለታት ምምዛዙ ሓቢሩ’ሎ።

ንሚንስትሪ ምኽልካል እታ ሃገር ንምምዕባል መደብ ከምዘሎ ዝሓበሩ ንጉስ ሳልማን ብዛዕባ’ቲ መደብ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃቡን።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ዝተላዕለ ኹናት ጣልቃ ብምእታው ምስ ተቓወምቲ ሑቲ ተኻይዶ ዘላ ኹናት ራብዓይ ዓመት ምቁጻሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG