ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስሕሓብ ኢራንን ስዑድ ዓረብን ዕድመ ምስልምና ዘቁጸረ’ዩ ይብሉ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዓለም ሃይሉ


ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዓለም ሃይሉ
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዓለም ሃይሉ

‘ስዑድ ዓረብን ኢራንን ብሓዊ’የን ዝጻወታ ዘለዋ’ ይብሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር (Associated Professor) ዓለም ሃይሉ ብዛዕባ ቅልውላው ክልቲኤን ሃገራት ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው።

ኣብ ሞንጎ ኢራንን ስዑድ ዓረብን ዘሎ ምስሕሓብ ዕድመ ምስሕሓብ ኣመንቲ ሻዓን ሱኒን ከምዝኾነ ዝገለጹ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዓለም ‘እቲ ጸገም ካብ ሃይማኖታዊ ምስሕሓብ ሰጊሩ፣ ጂኦ-ፖለቲካዊ መኣዝን ዝሓዘን፣ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ሓሊፉ ነቲ ዞባን ንዓለምናን ክጸልው ይኽእል’ዩ’ ይብሉ።

‘ስዑድ ዓረብ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ገለ ሃገራት ትፈጥሮ ዘላ ምሕዝነትን ሽርክናን’ውን ብጥንቃቀ ክታሓዝ ኣለዎ’ ኢሎም ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋርድ ዋሽንግተን ዲሲ ዘምህሩ ሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዓለም ሃይሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG