ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ : ደቂ-አንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምርጫ ንመጀመርያ ጊዜ ተካይዱ


አብ ታሪክ ስዑዲ ዓረብ ንመጀመርያ ጊዜ ደቂ-አንስትዮ ዜጋታት’ታ ሃገር ክመርጻን ድምጸን ክህባ ዘፍቐደ ምርጫ ትማሊ ሰንበት ተካይዱ። አብዚ ምርጫ ዝተወዳደራ ደቂ-አንስትዮ መንበራት አብ ቤት-ምኽሪ ምምሕዳር ከምዝተዓወታ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

አብ ስዑዲ ትማሊ ሰንበት አብ ዝተካየደ ምርጫ አስታት 17 ደቂ-አንስትዮ አብ መሪሕነት ቤት-ምኽሪ ምምሕዳር ከምተመርጻ ተፈሊጡ።

“ ኩሉ ነገር ካብ ዝተወሰነ ነገር’ዩ ዝጅምር። ኣብ ዝቕጽል ምሉእ ብምሉእ ተዳሊና ብዙሓት ሰባት ከነሳትፍ ኢና። ሽዑ ልዑል ዝኾነ ዓወት ከነመዝግብ ኢና። ብድሕሪኡ እቲ ዓወት አብ ኩሉ ጽፍሕታት ክሰጋገር’ዩ። እቲ ተሳትፎ ደቂ-አንስትዮ ድማ ክሰፍሕ’ዩ።” ትብል ሳልማ ቢንት ሂዛብ ኣል-ኦታቢ።

ሳልማ ቢንት ሂዛብ ኣል-ኦታቢ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት አብዚ ናይ ሰንበት ምርጫ ዝተዓወታ ደቂ-አንስትዮ’ያ። ንሳ ሸውዓተ ደቂ-ተባዕትዮን ክልተ ደቂ-አንስትዮ መወዳድርታ ብምስዓር’ያ አብቲ ቤት-ምኽሪ ከተማ ማድራኪህ መንበር ረኺባ ዝተዓወተት።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ስዑዲ ዓረብ : ደቂ-አንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምርጫ ንመጀመርያ ጊዜ ተካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:51 0:00

XS
SM
MD
LG