ዋሽንግተን —
ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ሪፖርት ዘቅረቡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕ/ሃ ራዓድ ኣል-ሑሰይን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝቀንዐ ደብዳብ ነፈርቲን ከቢድ ኣጽዋርን፣ ንሆስፒታላትን ኣብያተ-ትምህርቲን ከምዘዕነወ’ውን ገሊጾም።
ንሶም ነዚ ሪፖርት ዘቅረቡ፣ ኢራን ዝደጋፊቶም ምልሻታት ሻዓን ግንባር ሃገራት ዓረብ ዝሕግዞም ፕረዚደንት ዓብዱ ራቡ ሓዲን ኣብ ስዊዘርላንድ ልዝብ ሰላም ድሕሪ ምጅማሩ’ዩ።
አብ ውግእ የመን ካብ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ጊዜ ልዕሊ 5,700 ሰላማዊያን ሰባት ከምዝሞቱ’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።