ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሓቘፈ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ተቃንዕ


ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንሓያሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሓዘ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ስዑዲ ዓረብ ሎሚ 10 ሕዳር 2023 ኣብ ሪያድ ጀሚራ ኣላ። ኣብዚ ዋዕላ ትማሊ ሓሙስ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሎሚ ናብ ናብቲ ዋዕላ ዝነቐለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን’ውን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ጉጅለ ኤርትራ፡ ንሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ሚኒስተር ንግዲን ኢንዳስትሪን ኤርትራ ኣቶ ነስረዲን በኺት ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ፣ ካብ መንጎ’ቶም ናብዚ ዋዕላ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተጓዕዙ ድማ ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሽደ ይርከቦም። ከም ጸብጻብ መንግስታዊ ምንጭታት ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ኣሕመድ ሽደ ምስ ሚኒስተር ነዳዲን ጸዓትን ስዑዲ ዓረብ ናይ ሓባር መዘከር ፈሪሞም ኣለዉ።

ዋዕላ ሪያድ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኣፍሪቃን ዝህሉ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ባህላዊን ጸጥታዊን ጉዳያት ንምዝታይ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ወፍሪ እትገብር ከም ዘላ እትፍለጥ ስዑዲ ዓረብ፡ ነዚ ዋዕላ ምኽንያት ብምግባር፡ ናይ ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።

እቲ ብስዑዲ ወጺኡ ዘሎ ባጀት ኣብ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺን ጸዓትን ዝውዕል ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣብዚ ሓባራዊ ስምምዕ ካብ መንጎ ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ጋና፡ ናይጀሪያ፡ ሞዛምቢክ፡ ሴነጋልን ቻድን ምዃነን ዜና ሮይተርስ ጠቒሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG