ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሹመት ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ንኣሚር መሓመድ ቢን ናይፍ ተኪእዎ ኣሎ። ወራሲ ዓራት ነበር መሓመድ ቢን ናይፍ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ስዑድ ዓረብ ብምዃን እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ኣልቓዒዳን ዝኣመሰሉ ጥሩፍ ጉጅለታትን ምስ ቐጠርን ኢራንን የመንን ኣብ ዝተፋጠጠትሉ እዋን’ዩ እዚ መሪሕነት ተቐቢሎም።
ምሻም ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን፥ ስዑድ ዓረብ ብፍላይ ምስ ሃገራት ቐጠርን ንዘለዋ ምትፍናን ከዕርጎ ከምዝኽእል’ዩ ተገሊጹ። ድሮ ኢራን ምሻም ሓድሽ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ልዕሊ ኣሚር መሓመድ ቢን ናይፍ “ፈኲስ ዕልዋ” ተፈጺምዎ ክትብል ገሊጻቶ ኣላ።
ብመሰረት ዝወጸ ኣዋጅ ሽመት መሓመድ ቢን ሳልማን ከም ወራሲ ዓራት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን ፖሊስታት ቁጠባን ነዳድን ዘጠቓልል’ዩ።