ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍልስጤም ሃገር ክትኸውን መገዲ ክሳብ ዘይተኸፈተ ስዑዲ ንእስራኤል ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ሓደ ዲፕሎማት'ታ ሃገር ገሊጹ


ልዑል ፋይዛል ቢን ፋርሃን
ልዑል ፋይዛል ቢን ፋርሃን

ፍልስጤም ሃገር ክትኸውን መገዲ ክሳብ ዘይተኸፈተ ስዑዲ ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ከምዘይትህባ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ስዑዲ-ዓረብ ገሊፁ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ስዑዲ ዓረብ ልዑል ፋይዛል ቢን ፋርሃን ፍልስጤም ሃገር ክትኸውን ተኣማኒ መገዲ ክሳብ ዘይተቐመጠ ሃገሮም ምስ እስራኤል ርክባታ ንቡር ከምዘይትገብሮን ኣብ ዳግመ ህንፀት ቓዛ ከምዘይትሳተፍን ገሊፁ።

ልዑል ፋይዛል ቢን ፋርሃን ነዚ ዝበሉ ትማሊ ሰንበት ኣብ መደበር ቴሌቭዥን ሲ.ኤን.ኤን ዝተፈነወ ቃለ ምልልስ እዩ።ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ነታንያሁ ግን ፍልስጤም ሃገር ክትኸውን ኣለዋ ንዝብል ይነፅጉ። ንቓዛ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ወታሃደራዊ ቁፅፅር ከምዘእትውዋ እውን ኔታንያሁ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ መፃኢ ዕጫ ቓዛ ዘሎ ምስሕሓብ ኣመሪካን መሻርኽታ ሃገራት ዓረብን ምስ እስራኤል ዘጋጨወን ኮይኑ ድሕሪ ኲናት ዝህልው ምምሕዳር ወይ ዳግመ ህንፀት ዓብይ ዕንቅፋት ዝፈጥር እዩ ክብል ኣሶሼይትድ ፕረስ ጸብጺቡ'ሎ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሰፕ ቦረል ንፍልስጤናዊያንን እስራኤላዊያንን ዝኸውን ክልተ መንግስታት ዝብል ናይ መፍትሒ መስርሕ ክቕፅል ከምዘለዎ ሎሚ ሶኑይ ብትሪ ገሊፆም።

ንሶም ምስ ሚንስተራት ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል፣ ፍልስጤምን ካልኦት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ቅድሚ ምዝርራቦም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ብወታሃደራዊ ኣገባባት ጥራሕ ኣይህነፅን ኢሎም።

ቦረል ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ብሓማስ ዝተፈፀመ ግፍዒ ኢሎም ዝገለፁዎ ብምኹናን ብዛዕባ ወታሃደራዊ ስጉምቲ እስራኤል ኣመልኪቶም ድማ "ንውልድ ወለዶ ፅልኢ ይዘርኡ ኣለው’’ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG