ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑድ ዓረብ ንሓጀጅቲ ዜጋታት ቐጠር ዶባታ ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ


ስዑድ ዓረብ ንቐጠራውያን በጻሕቲ ሓጅ ዶባታ ምኽፋታ ኣፍሊጣ።

ስዑድ ዓረብ ነዚ ዘፍለጠት ብመገዲ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝተመሓላለፈቶ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፤ ብመሬታ ይኹን ብክልተ መዕረፎ ነፈርቲ ንዝኣትው ቐጠራውያን ሕጃ ከካይዱ ፍቓድ ተዋሂቡ ኣሎ።

ስዑድ ዓረብ ንሓጀጅቲ ዜጋታት ቐጠር ዶባታ ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:14 0:00

ብድሕሪ’ዚ ናብ ቦታ ሓጅ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ድማ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ወጻኢታት መጎዓዝያኦም ተሸፊኑ ምብጻሕ ከምዘካይዱ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ንጉስ ስዑድዓረብ: ነፈርቲ ናብ ርእሰ ከተማ ዶሓ ቐጠር ብምብራር በጻሕቲ ሓጅ ናብ ከተማ ጅዳ ስዑድ ዓረብ ከመላልሳን ንኹሉ ወጻኢታቶም ከምዝሽፍን ምእዛዙ’ዩ ተሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ምክትል ወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ኣባል ንግስነት ቐጠር ሸኽ ዓብዱላህ ቢን ዓሊ ኣል ታኒ ኣብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጅዳ ስዑድ ዓረብ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ’ዩ።

ስዑድ ዓረብ: ኢማራት ዓረብ: ባሕረይንን ግብጽን ናይ ዲፕሎማስያውን መጎዓዝያን ርክባተን ምስ ቐጠር ኣብ ወርሒ ሰነ ምብታኸን ይፍለጥ። እዘን ስዑድ ዓረብ ዝመራሒተን ሃገራት ዓረብ ቐጠር ንጥሩፍነት ትድግፍያ ኢለን ብምኽሳሰን’የን ዲፕሎማስያውን ናይ መጎዓዝያ ርክባተንን ክበትካ ዝወሰና።

ቐጠር ነዚ ክሲ’ዚ: ብድፍኢት ፖለቲካ ዝተቐናበረ ምዃኑ ብምግላጽ ትነጽግ።

XS
SM
MD
LG