ዋሽንግተን —
ንዓመታዊ ቅዱስ ምብጻሕ ሓጅ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣተዉ ኣመንቲ፡ ኣብታ ሃገር ብዝተራእየ ብርቱዕ ዋዒ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ካብኣቶም ናብ ሕክምና ከም ዝኣተዉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ወሃብ-ቃል እቲ ሚኒስትሪ ከም ዝገለጾ፡ ብዘይካ እቶም ክሳብ ሕክምና ዝበጽሑ ዝዀኑ በጻሕቲ ካልኦት ልዕሊ 6700 ነጋድያን ብወቕዒ ሃሩር ከም ዝተጠቕዑ ገሊጹ።
ሙቐት ክሳብ 45 ዲግሪ ሰንቲግረድ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ መንግስቲ ስዑዲ ኣብ በበይኑ ቦታታት መጽለሊታት ቴንዳ ዘርጊሑ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወሃብቲ ቀዳማይ ረዲኤት ኣዋፊሩ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ዜና ይጠቅስ።
ቅጥዒ