ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ምስ ቐጠር ዘተ ተኻይድ ቐጠር ን13 ነጥብታት ዘለዎ ቕድመ ኹነት ምስ ተማልእ ጥራይ ምኳኑ ገሊጻ


ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ( ጸጋም) ን ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ዓብደል ኣል ጁቤር(የማን)
ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ( ጸጋም) ን ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ዓብደል ኣል ጁቤር(የማን)

ስዑዲ ዓረብ ኣብ መንጎ ቐጠርን ሃገራት ዓረብን ዘጋጠመ ምብታኽ ዲፕሎማሲ ንምዕራይ ቐጠር ነቲ 13 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ ኩነት ከተማልእ ጸዊዓ።

ነዚ ዝበሉ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ዓብደል ኣል ጁቤር ኽኮኑ ከለው ምስ ናይ ሩስያ መዘነኦም ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ።

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ የኻይዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሚንስትር ላቭሮቭ ኣብ መንጎ ስዑዲን ቐጠርን ቅኑዕ ዝርርብ ክህልው ዘለዎም ተስፋ ዝገለጹ ኽኮኑ ከለው ሚንስትር ጁቤር ግን ቐጠር ምስ ሃገራት ዓረብ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከተመሓይሽ እንተኾይና ነቲ 13 ነጥብታት ዝሓዘ ቕድመ ኹነት ከተማልእ አለዋ ኢሎም አለው።

“ ግብረ ሽበራ ምድጋፍ ደው ከተብል አለዋ፡ ብሕጊ ዝድለዩ ውልቀ ሰባት ምዕቋብ ደው ከተብል አለዋ ጽልኢን ጥሩፍነትን ኣብቲ ዞባ ምዝርጋሕ ደው ከተብል አለዋ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ጣልቃ ምእታው ደው ከተብል አለዋ። ብመንጎኝነት ኩዌት ዘቕረብናዮ 13 ነጥብታት እዚአን እየን ቐጠር ነዘን ነጥብታት ከተማልእ ዝብል መርገጺና ድማ ኣይተቐየረን” ኢሎም።

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣቐዲሞም ናብ ቐጠር ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ካብ ዝበልዎ ዝተፈልየ ርእይቶ ከምዘይሃቡ ይፍለጥ።

ስዑዲ ዓረብ ምስ ቐጠር ዘተ ተኻይድ ቐጠር ን13 ነጥብታት ዘለዎ ቕድመ ኹነት ምስ ተማልእ ጥራይ ምኳኑ ገሊጻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:40 0:00

ይኹን ደአ እምበር ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቐጠርን ስዑዲ ዓረብ ንምቕርራብ ዘካየደቶ ፈተነ ግን ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራሞፕ ትማሊ ሓሙስ ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ስዑዲን ቀጠርን መንጎኛ ንምኳን ቅሩብነታ ገሊጾም አለው፡ መራኸቢ ብዙሃን ቐጠር ብወገኖም ኣብ መንጎ ልዑል ስዑዲን አሚር ቐጠርን ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ ናይ ቴሌፎን ርኽብ ውጽኢት መንጎኛነት ኣሜሪካ ምኳኑ ይገልጻ አለዋ።

ወጻኢ ሚንስትር ስዑዲ ዓረብ ግን መራኸቢ ብዙሃን ቐጠር ነቲ ኩነታት ብጌጋ ተረዲኦሞ አለው ብማለት ዝተጀመረ ርኽብ ምስ ቐጠር ደው ከምዘበሉ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብዛዕባ መንጎኛነት ኩዌት ብዝምልከት ዝተሓቱ ሚንስትር ስዑዲ ዓረብ ድማ ስዑዲ ዓረብ ንዘተ ቅርብቲ ትኸውን ቐጠር ነተን ነጥብታት ምስ ተማልእ ጥራይ ምኳኑ ሓቢሮም።

ኣብ ሰነ 5,2017 ስዑዲ ዓረብ፡ ዓረብ ኢማራት፡ባህሬን፡ ግብጽን ቐጠር ግብረ ሽበራ ትድግፍ እያ ብምባል ምስታ ሃገር ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዝበተኻ ምኳነን ይዝከር፡ ቐጠር ግን ነዚ ትነጽግ።


XS
SM
MD
LG