ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ምስ ኢራን ዝነበረን ዲፕሎማሳዊ ዝምድና በቲኸን


ስዑዲ ዓረብን መሻርክታ ሃገራትን ምስ ኢራን ዝነበረን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና በቲኸን።እዚ ዝኾነ ኢራናዊያን ኣብ ቴህራን ንዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ምስ ወረሩዎ'ዩ።

ባሕሬይን ሱዳንን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድነአን ምሉእ ብምሉእ ከቋርጻ ከለዋ ዓረብ ኤመሬት ግን ምስ ኢራን ዘለዋ ርክብ ኣጉዲላቶ’ላ።ብተወሳኺ ቁጽሪ ኢራናዊያን ዲፕሎማሰኛታት ከምዘጉደለትን አብታ ሃገር ዘለው ወከልቲ ድማ ካብ ኣምባሰደር ናብ ፈጻሚ ጉዳያት ከምዝውረደቶ ገሊጻ’ላ።

እቲ ወጥሪ ክንህር ዝገበረ ብሱኒ ኣመንቲ እስልምና ዝምራሕ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንመራሒ ሽዓት ሸኽ ኒምር ኣል-ኒምር ብሞት ድሕሪ ምቕጽዑ እዩ።ስዑዲ ንሸክ ኒምር ምስ ካልኦት 46 ሰባት ብሞት ከምዝቐጽዐቶም ምስ ኣወጀት በዚ ዝተቖጥዑ ኢራናዊያን ኣብ ቴህራን ንዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ብምውራር ንብረት ብምዕናውን ብሓዊ ኣቃጺሎም።ኣብ ማሻድ ንዝርከብ ቆንስል'ውን ከምዘጥቕዕዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ብውሑዱ 40 ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ዝተፈልጠ ኸክውን ከሎ ፕሬዝዳንት ኢራን ሓሳን ሮሓኒ ነቲ መጥቓዕቲ ዘይቅቡል'ዩ ክብሉ ድሕሪ ምንቓፍ ንሞት ኣል-ኒምር ድማ ኮኒኖምዎ።

ሱዳን ኣብ ልዕሊ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 'ባርባራዊ መጥቓዕቲ'ዩ' ድሕሪ ምባላ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ምቁራጻ ገሊጻ'ላ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኢራን ሖሴይን ጃባር ውሳነ ስዑዲ ዓረብ ብምንቃፍ እቲ ስጉምቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ውጥሪ ዘጎሃህር እዩ፣ንኒምር ብምቕታል ዝፈጸመቶ ጌጋ ድማ በዚ ኣይሽፈንን ኢሎም።

ናይ ኢራን ሃይማኖታዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ስዑዲ ዓረብ ንኒምር ብሞት ብምቕጽዓ ክትቕጽዕ እያ ኢሎም።Revolutionary Guard ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ኢራን ሓይሊ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ ሞት ኒምር ናብ ውድቀት ንጉሳዊ ስርዓት ስዑዲ ዓረብ ዝመርሕ እዩ ኢሉ’ሎ።

ሚኒስትር ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓብድል ኣል-ጁበይር ብወገኖም መብዛሕቲኦም ሱኒ አብ ዝነበሩላ ስዑዲ ዓረብ ብኣመንቲ ሽዓ እትዕብለል ኢራን ናይ ሃገሮም ወይ ናይቲ ዞባ ጸጥታ ክትህውኽ ኣይትፈቅድን እያ ኢሎም።

ስዑዲ ዓረብ ንኒምር ብዓመጽን ካልኦት ክስታትን ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ እዩ ሞት ፈሪዳቶም።

ወጻኢ ሚኒስትሪ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዋሽንግተን መራሕቲ እቲ ከባቢ ኣብቲ ዞባ ዝተልዓለ ወጥሪ ካብ ምፍጣር ክሃድኡ ምጽውዓ ክትቕጽለሉ እያ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG