ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምፍራስ ሓጽቢ ዲንፕሮ ዩክሬን ዓሰርተታት ኣሽሓት የመዛብል፡ ነዝዒ ኒኵሌር የሰክፍ


ኣብ ፈለግ ዲንፕሮ ዩክሬን ዝርከብ ዓቢ ሓጽቢ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብዘይ ዝስተ ማይ ምትራፎም ፕረዚደት ቮልድሜር ዘለንስኪ ሎሚ ረቡዕ ገሊጾም።

ሰብ-መዚ ዩክሬን ኣስታት 17-ሽሕ ዜጋታት ካብቲ ከባቢ ምግዓዞም ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣስታት 40 ከተማታት ድማ በቲ ማይ ምዕልቕላቐን ኣመልኪቶም።

እቲ ሰሉስ ዝፈረሰ ዓቢ መመንጨዊ ጸዓት ሓጽቢ፡ ብዘይካ እቲ ንቡር ኣገልግሎት ማይን ሕርሻን፡ ንኒክሎራዊ መደብ ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ንምዝሓል’ውን ስለ ዘገልግል፡ ካልእ ዝገደደ ሳዕቤን ከየኸትል ስግኣት ኣሎ። ነዚ ንምዕዛብ ድማ ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ብኣካል ንምዕዛብ ንዝመጽእ ሰሙን ናብቲ ክበጽሕ መደብ ሒዙ ኣሎ።

ሞስኮን ኪየቭን ነቲ ሓጽቢ መን ከም ዘዕነዎ ንሓድሕደን ኣብ ምክሳስ’የን ዘለዋ፡ ዩክሬን ነቲ ተግባር ምስ ገበናት ኲናት ጸብጺባ ሩስያ ከም ዘዕነወቶ ተመልክት። ሩስያ ብወገና፡ ኣቓልቦ ናይቲ ዝሕለን ዘሎ መልሰ-መጥቃዕቲ ንምጥምዛዝ ባዕላ ዩክሬን ዘዕነወቶ ምዃና ትምጕት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG