ዋሽንግተን —
ብሓያሎ ክስታት መስርሕ ፍርዲ ክከታተል ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ፡ ንመስርሕ ፍርዲ ከተዓናቕፍ ስለ ዝፈተነ፡ ንገበኛታት ዝግበር መከታተሊ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ክእሰረሉ ቤት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሎሚ ዓርቢ ውሳነ የሕሊፉ። ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ መራሒ ሃገር ነበር መከታተሊ ክእሰረሉ ናይ ፈለማ’ዩ ክኸውን።
ኣብ ጠቕላላ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ናይ መወዳእታ ሰማዒ ይግባይ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተዋህበ ብይን ስለ ዘጽንዖ ሳርኮዚ ነቲ መከታተሊ መሳርሒ ንሓደ ዓመት ክእሰረሉ ወሲኑ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝተቓልዐ፡ ሳርኮዚ ንሓደ ዳኛ ኣብ ከይዲ መስርሕ ፍርዲ ንኽሕግዞ ክሓቶ እንከሎ ዘርኢ ምስልታት ተዘርጊሑ’ዩ።
ሓያሎ ክስታት ብልሽውና ዝቐረበሉ ፕረዚደንት ነበር ሳርኮዚ፡ ካብ መንጎ ብዙሕ ክስታት ኣብ 2007 ንጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ 2007 ካብ ሊብያ ገንዘብ ከም ዝተቐበለ ይርከቦ።
ካብ 2007 ክሳብ 2012 ንፈረንሳ ዝመርሐ ሳርኮዚ በቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ምስ ዝርከብ ክሳብ ናይ 10 ዓመታት ማእሰርቲ ይጽበዮ።
ቅጥዒ