ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስድራቤት ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ


ስድራቤትን ኣማኻሪ ሕግን ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ከምዝመስረቱ ኣፍሊጦም። ንልዕሊ 19 ዓመታት መንበሪኡ ኣብ ኬንያ ዝገበረ ኢትዮጵያዊ በዓልጸጋ ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ናይሮቢ ናይ ፖሊስ ክዳን ብዝተኸደኑ ውልቀሰባት ተጨውዩ ምስተወሰደ፣ ክሳብ ሕዚ ሃለዋቱ ከምዘይፍለጥ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሚሌን ሓለፎም ንጋዜጠኛታት ተዛሪበን። ወይዘሮ ሚሌን ኣብ ኬንያ ንዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዋላ እኳ ደገጊመን እንተሓተታ፡ ክሳብ ሕዚ ሓበሬታ ከምዘይረኸባ ገሊፀን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ንዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ተጠቒሙ ሃለዋት ኣቶ ሳምሶን ንኽፍለጥ ኣይፀዓረን፡ ሓላፍነቱ እውን ኣይፈፀመን ዝበሉ ኣማኻሪ ሕጊ ዶ/ር ዳባ ጩፋ፡ ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ንሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ከምዝኸሰሱ ተዛሪቦም። እዞም ኣካላት መሰል ዜጋ እናተጠሓስ፡ ግቡኦም ኣይፈፀሙን ዝበሉ ዶ/ር ዳባ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኤምባሲ ኬንያ እውን ነቲ ጉዳይ ንመንግስቱ ብዘይምፍላጡ ሳልሳይ ተኸሳሲ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ነቲ ኽሲ ዝቐረበሉ ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል፣ ካልኣይ መጋባእያ ሰብኣዊ መሰላት፣ እቶም ተኸሰስቲ ን 4 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ምላሽ ክህቡ ኣዚዙ ከምዝነበረ እቶም ኣማኻሪ ሕጊ ኣፍሊጦም። ብሚንስትሪ ፍትሒ ዝተወከለ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዕለት፡ “መዓልቲ ይናወሐለይ” ዝብል መልሲ ክህብ ኸሎ፣ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኤምባሲ ኬንያን ግን ምላሽ ከምዘይሃቡ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል፣ ንመልሲ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንምቕባልን፣ ነቶም መልሲ ዘይሃቡ ተኸሰስቲ ምኽንያቶም ንምስማዕን ንሎሚ ቆፀራ ሂቡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሎሚ በዓል ሰዓብቲ እምነት እስልምና ስለዝኾነ እቲ ቆፀራ ንዝመፅእ ሰኑይ ከምዝተናውሐ ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG