ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህውከት ብናጻ ወገን ክምርመር ኣመሪካ ጸዊዓ


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሳመንታ ፖወል፡ ሃገራ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጻር ተቓወምቲ ብዝፍጸም ኣሎ ዝበለቶ መጠኑ ዝሓለፈ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኸቢድ ሻቕሎት ከምዝሓደራ ገሊጻ።

ኣምባስደር ፖወር ኣተሓሒዛ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህውከት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ድሕሪ ምጥቃስ ብናጻ ወገን ክምርመር ጸዊዓ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታት ብሰለማዊ መንገዲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክገብሩ ክፈቅድ ዩናይትድ ስቴትስ ከምዝሓተተት`ውን ኣምባሳደር ሳመንታ ፖወር ጠቒሳ።

ኣምባሰድር ነቲ ሻቕሎት ዝገለጸት ካብ ደቡብ ሱዳን ምስ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ናብ`ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘቕነዓትሉ እዋን`ዩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ዝደኮነላ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ኸምዘሻቐሎ ንመጀመርያ ግዜ ምግላጹ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG