ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ናብ ሞስኮ ተጓዒዙ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቡ ምዝታዩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ሃገሮም ንናጽነት ደቡብ ሱዳን ካብ ዝተቐበላ ቀዳሞት ሃገራት ምዃና ብምምልካት፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ በበይኑ ጽላታት ክገብሩዎ ዝኽእሉ ምትሕግጋዛት ብዙሕ ምዃኑ ተዛሪቦም። ፕረዚደንት ፑቲን ድማ ዝርዝር ከይሃቡ፡ክልቲኦም ወገናት ክገብሩዎ ዝኽእሉ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ብዙሕ ምዃኑ ጠቒሶም።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብወገኖም ነቲ ዝተገብረሎም ጽቡቕ ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብቲ ነዊሕ መገዲ ዝበሉዎ ናይ ሓባር ጽምጾ ንምስራሕ ዘለዎም ድልውነት ኣስሚሮም።
ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃ ሩስያ ተዓዲመን ዝነበራ ሃገራት ምዃና ይዝከር።
እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብቲ ሩስያ ኣትያትሉ ዘላ ኲናት ዩክሬን ዝያዳ ኣዕሩኽን ድጋፍን ንምርካብ ዝዓለመ’ዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣስፊሩ።
ቅጥዒ