ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንቅልውላው ምግቢ ሳሕል ኣፍሪካ ምላሽ ኣብ ምሃብ መሰረታዊ ለውጢ ክግበር ፃውዒት ቀሪቡ


Africa's Sahel Region Braces for Oncoming Food Crisis
Africa's Sahel Region Braces for Oncoming Food Crisis
ኣብ ኣፍሪካ ከባቢ ሳሕል ንዝኽሰት ቅልውላው ምግቢ ምላሽ ኣብምሃብ ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስታትን መሰረታዊ ዝኾነ ለውጢ ንኽግበሩ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ፀዊዐን።ዝደጋገም ንዘሎ ጥምየት ኣብ ምስባርን ህዝቢ ካብ ሽግር ናይ ምውፃእ ዓርሰ እምነት ክህልዎም ኣብ ምግባርን 2013 ወሳኒት ዓመት እያ ኢሉ ኦክስፋም/OXFAM/።

ንመነባብሮ ልዕሊ 18 ሚሊዮን ህዝብታት ትሽዓተ ሃግራት ኣብ ስግኣት ዘውደቐን ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህፃውንቲ ንከቢድ ሕፅረት ኣመጋግባ ዘቃልዐን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ከብቢ ቅልውላው ምግቢ ካብ ዘጋጥሞም ንድሓር ሎሚ’ውን 10 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ነበርቲ ከባቢ ሳሕል ኣፍሪካ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኮይኖም ቀፂሎም ኣለው።

ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ተመሳሳሊ ቅልውላው ከጋጥም እዚ ንራብዓይ ግዜ እዩ።
ኤሊስ ፎርድ ኣብ ኦክፋም ኣማኻሪት ሰብኣዊ ፖሊሲን ኣብ 2012 ኣ/ፈ ንዘጋጠመ ቅልውላው ምግቢ ዝተውሃበ ምላሽ ናይ ዝግምግም ሪፖርት ዝፀሓፋን እየን።ዋላ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተውሃበ ምላሽ ቅድሚኡ ምስዝነበረ እንትነፃፀር ዓብዪ፣ዝበለፀን ህፁፅን እንተነበረ ሎሚ’ውን ዓብዩ ለውጢ ከምዘድልዮ የገልፃ።

ህፁፅ ስጉምቲ ምውሳድን ነቲ ቅልውላው ኣፍልጦ ምሃብን ኣገዳሲ እዩ ዝበላ እቲ ጉዳይ ሎሚ’ውን ማዕረ ክንደይ ተኣፋፊ ምዃኑ ንፁር ይመስለኒ ኢለን።’’ዓሰርተ ሚሊዮን ህዝቢ ውሕስነት ምግቢ የብሎምን።’’

ኣብ መስርሕ ዝነበረ ኣገባብ ቅድመ መጠንቀቕታ ነቲ ኣብ 2010 ኣ/ፈ ንዝነበረ ቅልውላው ዝተውሃበ ምላሽ ኣዝዩ ዝነኣሰን ዝዘንገዐን እዩ ዝብል ነቐፌታ ምስቐረበ መንግስትን ትካላት ረድኤትን ኣብ 2012 ኣ/ፈ ብህፁፅ ምላሽ ክህቡ ኣኽኢሉዎም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናይ ምግቢ ረድኤት ዝተቐበሉ እንየኾኑ’ውን ብዛዕባ ክብደት እቲ ቅልውላውን ምዝንጋዕን ኣብ ፈለማ ዘይምርድዳእ ብምፍጣሩ ንኻልኦት ሚሊዮናት ረድኤት ክቐርበሎም ኣይክኣለን።

ኣብቲ ከባቢ ንስራሕቲ ኦክስፋም ዝቆፃፀሩ ባኬ ኒያንግ እዚ ተደጋጋሚ ቅልውላው ምግቢ ንምስባር ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ኣቐድም ኣቢሎም ምላሽ ክህቡ ኣለዎ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ምሓውራት ዘለው ፈተናታት’ውን ክፍትሑ ኣለዎም ይብሉ።
XS
SM
MD
LG