ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዝተወሰነሎም ፕረ.ፑቲን ኣብ ኣኼባ እንተተሳቲፎም ዝብል አማራጺ ትድህስስ

ደቡብ ኣፍሪቃ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዝተወሰነሎም ፕረ.ፑቲን ኣብ ኣኼባ እንተተሳቲፎም ዝብል አማራጺ ትድህስስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00

ደቡብ ኣፍሪቃ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዝተወሰነሎም ፕረ.ፑቲን ኣብ ኣኼባ እንተተሳቲፎም ዝብል አማራጺ ትድህስስ

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ክእሰሩ ትእዛዝ ኣብ ዘውጽኣሉ ሕጂ እዋን ደቡብ ኣፍሪቃ እቶም ፕረዚደንት ኣብቲ ኣብ ነሓሰ ዝካየድ ኣኼባ ንኽሳተፉ ኣቐዲሙ ንዝቐረበ ዕድመ እንተተቐቢሎም እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ትሓስብ ኣላ።

ኣብ ዘ ሄግ ዝመደብሩ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ መራሒ ሩሲያ ዩክሬናዊያን ቆልዑ ናብ ሩሲያ ጠሪዞም ዝብል ሓዊሱ ብኽሲ ገበናት ኵናት ኣብ መጀመሪያ መጋቢት ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ዩ። ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ቤት ፍርዲ ዘውፅኦ ዓለምለኸ ትእዛዛት ማእሰርቲ ሃገራት ከፈፅማ ዘገድድ ናይ ሮማ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ፈሪማ እያ።

እንተኾነ ፕሪቶሪያ ንሞስኮ ናይ ቀረባ መሻርኽታ ስለዝኾነት ሩሲያ ንዩክሬን ምውራራ ካብ ምንቅፋ ብምዕቃብ ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ክልትኣዊ ዝርርብ ኣካይዳ፣ ኣብ ለካቲት ድማ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ንምክያድ ናይ ሩሲያ መራኽብ ውግእ ኣተኣናጊዳ እያ።

XS
SM
MD
LG