ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ናይ ከተማ ሴፍቲኔት ፕሮግራም ዝውዕል ናይ 300 ሚሊዮን ዶላር ናይ ልቓሕ ስምምዕ ተፈሪሙ


World Bank
World Bank

ኣብ 11 ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ንዝጅመር ናይ ከተማ ሴፍቲኔት ፕሮግራም ዝውዕል ናይ 300 ሚሊዮን ዶላር ናይ ልቓሕ ስምምዕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሎሚ ተፈሪሙ።

እዚ ፕሮግራም ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ዝጅመርን ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝፍጸምን ናይ ከተማ ሴፍቲኔት ፕሮግራም 450 ሚሊዮን ዶላር ወይም 9.5 ቢሊዮን ብር ወጻኢ ክግበረሉ እዩ። ነዚ ስምምዕ ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስትር ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ መሓመድን ብወገን ባንኪ ዓለም ድማ ዳይረክተር ባንኪ ዓለም አብ ኢትዮጵያ ካሪ ተርክን ፈሪሞም።

ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ እቲ ዝተረፈ 150 ሚሊዮን ዶላር ብመንግስቲ ከምዝሽፈን ገሊጾም መንግስቲ ንፕሮግራም ሴፍትኔት ከተማ ዝሓነጸጸሉ ምክንያት እቲ ፕሮግራም ኣብ ገጠር ጽቡቕ ውጽኢት ስለ ዘምጸአ’ዩ ምዃኑ ሓቢሮም።ኣብ 11 ከተማታት ዝርከቡ 600 ሽሕ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ድማ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ፕሮግራም ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ካሪ ተርክ ብወገነን ትካለን ነቲ ፕሮግራም ከምዝድግፍ ብምግላጽ ከምዚ ኢለን። ‘ብመንጽር ምውጋድ ድኽነትን ምርግጋጽ ሓባራዊ ብልጽግናን ዝብል ሸቶና ከም ኣዚዩ ወሳኒ ጉዳይ ኢና ንሪኦ።ንድኻታት ብዝበለጸ ምስ እንሕግዝ ንዝግለሉ ወገናት ቀረባት ምስ እነዳልው ዘይፍትሓውነት እውን ብኡ መጠን ይጎድል።ኣብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ይሳለጥ ዘሎ መስርሕ ምዕባለ’ውን ብዝበለጸ ክነረጋግጽ ኢና። ስለዚ ንሕና እዚ ፕሮግራም እዚ ከም ፕሮግራም ማሕበራዊ ውሕስነት ጌርና ኣይንሪኦም።’

እቲ ፕሮግራም ካብ ዝቕጽል ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 11 ዋና ከተማታት ክጅምር እዩ።ትኹረት እቲ ፕሮግራም ድማ መንግስቲ ብዘቐመጦ ናይ ድኽነት መዐቀኒ መስመር ንታሕቲ ንዝርከቡ 25.7 ሚእታዊት ሰባት ከምዝሓቁፍ ብምግላጽ ዕላምኡ ድማ ሴፍትኔት ጥራሕ ከይኮነስ ብመንጽር ምምሕያሽ ናብራ ድኻታት ተወሰኽቲ ሓገዛት ክግበረሎም እዩ ኢሎም ኣቶ ሙድሊስ ኣብ ባንኪ ዓለም ናይዚ ፕሮግራም መራሒ ግብረ ሓይሊ ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣብ ዘሎ ፕሮግራም ሴፍትኔት ገጠር ኣስታት ሸሞንተ ሚሊዮን ሰባት ዝተሓቖፉ ኽከውን ኸሎ ኣብ ናይ ከተማ ሴፍትኔት ፕሮግራም እውን ኣብ ልዕሊ 900 ከተማታት ንኣስታት ኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ንምሻፍን መደብ ከምዝተታሕዘ ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG