ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቴለኮም ኢትዮጵያ ዝርአ ተገዳስነት ወፍሪ ይጎድል ምህላው ተሓቢሩ


መወዓውዒ ሳፋሪኮም ኣብ ኢትዮጵያ - ፋይል
መወዓውዒ ሳፋሪኮም ኣብ ኢትዮጵያ - ፋይል

ኣብ ቴለኮም ኢትዮጵያ ዝርአ ተገዳስነት ወፍሪ ይጎድል ምህላው ተሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ምስ መንግስታዊ ኢትዮ-ቴለኮም ዝወዳደር እንኮ ብሕታዊ ናይ ወጻኢ ሃገር ትካል ሳፋሪኮም፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ናይ ሕልኽላኽ ዓመታት ዘተባብዕ ወፍሪ ከም ዘይረኣየ ድሕሪ ምፍላጡ`ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ሓራ ከውጽእ ተባሂሉ ዝግመት ዝነበረ ሳፋሪኮም፡ ብሰንኪ ለውጥታት ሕጊ፡ ጸገማት ጸጥታ ከምኡ`ውን ዘይምኽፋት መንግስታዊ ምቁጽጻር ቁጠባ፡ ነቶም ኣውፈርቲ ንድሕሪት ይመልሶም ከም ዘሎ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ዚ ኩነታት ሳፋሪኮም ርእይቶ ክህቡ ኣይተረኽቡን።

ሓላፊ ባላንሲንግ ኣክት ቴሌኮም (Balancing Act telecoms) ዝተባህለ ትካል ቴለኮም ራስል ሳውዝውድ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ግን “ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግብሮ ዘሎ ነገር ፍጹም ክበርሃልና ኣይክኣለን፡ ሎሚ ክፉት ዕዳጋ ይብል`ሞ ድሕሪ ደቓይቕ ከኣ ንኹሉ ንድሕሪት ይመልሶ” ክብል ኣማሪሩ።

ናይ ፈረንሳይ ኦራንጅ ዝተባህለ ኣውፋሪ`ውን 45% ብርኪ ኢትዮኮም ክዕድግ ኣብ መስርሕ እናሃለወ፡ ስትራተጅና ቀልጢፍና ክነቐምጥ ኣይከኣልናን ብዝብል ካብቲ ወፍሪ ምስሓቡ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሳፋሪኮም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ኣብ ኢትዮጵያ 7-ሚልዮን ተጠቀምቲ ከም ዘፈረመ ኣፍሊጡ ኔሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG