ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳፋሪኮም ሓድሽ ፈጻሚ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ መዲቡ


ሳፋሪኮም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ትካሉ ካብ መስከረም ጀሚሩ ከገልግል ንዊም ቫንሀለፑት ፈፃሚ ስራሕ ገይሩ ምሻሙ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝርኣዮ ናይ ውሽጢ ሓፂር መዘኻኸሪ ፅሑፉ ይሕብር።

ኣብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጉጅለ ኩባኒያ ኤምቲኤን ንዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ዝሰርሐ ቫንሀለፑት ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ሓላፍነቱ ዝሓድግ ንዘሎ ኣንዋር ሶውሳ ክትክኦ እዩ።

እቲ በልጀማዊ ዜጋ ዝሓለፈ ዓመት ስርሑ ንዝጀመረ ኩባኒያ ሳፋሪኮም ኣብ ሰፊሕ ዕዳጋ ናይ ዕብየት ባህጉ ንምምላእ ተሸይሙ ኣሎ።

ሳፋሪኮም ካብ ዝቕፀሉ ሒደት ኣዋርሕ ጀሚሩ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት የተኣታትው ኣሎ። ሳፋሪኮም ኣብ ናይሮቢ ዝመደብሩ ኣብ ቴሌኮምኒኬሽን ዝሰርሕ ኩባኒያ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG