ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ራኢ ማንዴላ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ


Republic of South Africa
Republic of South Africa
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘርኣዊ ስርዓተ ኣፓርታይድ ካብ ዝውገድ 20 ዓመታት ኮይኑዎ’ሎ።ናይ ኣፍሪካ ሃገራዊ ኮንግረስ /ANC/ ኣብ ናይ 1994 ኣ/ፈ ፈላማዊ ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ንኽዕወት ዝመርሑ ፀረ-ኣፓርታይድ ተቓላሳይ ኔልሰን ማንዴላ ኽቡር ምልክት ANC እዮም።ANCን ማንዴላን እንተተብሃለው እውን ነቐፍቲ ግን ብግዕዝይና ዝኽሰስ ዘሎ ፓርቶም ንራኢ ማንዴላ ኣይትግብርን ዘሎ ይብሉ።

ኔልሰን ማንዴላ ካብ ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ቓልሲ ፀረ ኣፓርያትድ ናብታ ሎሚ the Rainbow Nation መቐነት እነይ ማሪያም ተባሂል እትፅዋዕ ዴሞክራሲያዊት ሃገር ንምስግጋር ኣብዝተኻየደ ቓልሲ ምልክት እዮም።

ፕሬዝዳንት ኮይኖም ዝተመርፅሉ ድሕሪ 20 ዓመታትን ምስ ሞቱ ድማ ድሕሪ ኣዋርሕን ሎሚ’ውን ምልክት ወይ መልክዕ ገዛኢ ፓርቲ ANC ኮይኖም ቀፂሎም ኣለው።
መራሒት ተቓዋሚ ፓርቲ ሄለን ዚለ ግን ናይ ማንዴላ ፓርቲ ካብ ሕልሚ ማንዴላ ሪሒቑ እዩ ዘሎ ይብላ።ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ካብዝርከቡ ናይ ተቓወምቲ ፓርትታት እቲ ዝዓበየን ንሰን ዝመርሕኦን ዴሞክራሲያዊ ጥምረት ዓበይቲ ቅሌት ግዕዝይና ብምፍፃም ንፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ ይነቅፍ።
እቲ ዘሕዝን ኢለን ንሰን ናይዚ ምርጫ ዓብዪ ምልክት ኔልሰን ማንዴላ ኣይኮኑን።ጃኮብ ዙማ እዮም።ANC ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጃኮብ ዙማ እንታይ ከምዝመስል ዝሕብር እዩ ኢለን።
ፕሬዝዳንት ዙማ ዝተኸሰስሉ ዳሕረዋይ ቅሌት ናይ ውልቂ መንበሪ ገዝኦም ደርጅኡ ሓፍ ንምባል ልዕሊ 20 ሚሊዮን ዶላር ናይ መንግስቲ ገንዘብ ኣፍሲሶም ክብል ብኽነት ዘፃሪ መንግስታዊ ኣካል ዕላዊ ዝገበሮ እዩ።

እዚ ቅሌት እዚ ግን ንደገፍቲ ANC ሰጋእ መጋእ ዘብል ኣይኮነን።ስርዓት ኣፓርታይድን ዘርኣዊ እገዳታቱን ንኽውገድ ናይ ማንዴላ ፓርቲ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ምኽፋል ከምዘይኽእሉ ይዛረቡ።
ሳሊና ማዲዳ ካብዚኦም ሓንቲ እያ።ማዲባ ኢላ ንእትፅውዖም ማንዴላ መራሒ ቅድሚ ምዃኖም ናብ ጆሃንድበርግ ክትመፅእ ከምዘይፍቀደላ፣ናብ ኩሉ እትኸደሉ ቦታ መለልይ መንነት ሒዛ ትጉዓዝ ከምዝነበረትን ሳላ ማንዴላ ግን ሎሚ ከምኡ ከምዘየለን ትገልፅ።

ተንታኒትን ጋዜጠኛን ኻዲጃ ፓተል ብዙሓት ፓርትታ ንምስሊ ማንዴላ ክጥቀምሉ ዋላ እንተፈተኑ እውን ANC ብፍላይ ድማ ገንዘቦም ነቲ ፓርቲ ንምውፋይ ዝተናዘዙ ከም ምዃኖም ማንዴላ ምስኦም ከምዘለው ክረትዕሉ ዝኽእሉ ክትዕ እዩ ትብል።

ኣድመፅቲ ንማንዴላ ዝነበሮም ፍቕሪ ንANC ኸ ከርእዩዶ ይኾኑ? ኣብ ቀረባ ዝተኣከቡ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪእቶታት ህዝቢ ኣብዝቕፅል ወርሒ 7 ግንቦት 2014 ኣ/ፈ ኣብዝካየድ ምርጫ ብኽልተ ሲሶ ድምፆም ከምዝህቡዎ ኣርእዮም ኣለው።
XS
SM
MD
LG