ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ካብ ስግኣት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንዓለምለኸ ምክልኻል ትደፍእ


ኣመሪካ ካብ ስግኣት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንዓለምለኸ ምክልኻል ትደፍእ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:18 0:00

ኣመሪካ ካብ ስግኣት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንዓለምለኸ ምክልካል ትደፍእ

ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካመላ ሃሪስ፡ መራሕቲ ዓለም ንህዝቦም ካብ ሓደጋታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብምክልኻል ሞራላዊ፡ ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ግዴታ ኣለዎም ኢላ።

ወናኒ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣቐዲሙ ብትዊተር ዝፍለጥ ቢልየነር ኤሎን ማስክ ብወገኑ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንተጠቀምቲ ንምድንጋር ልዑል ተኽእሎ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ ምምሕዳር ባይደን፡ ንግሎባላዊ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ( ኤ.ኣይ) ትመርሕ ዘላ ምኽትል ፕረዚደንት ካመላ ሃሪስ፡ መንግስቲ ሓደ ንውሕስነት ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝከታተል ትካል ከም ዘቖመ ኣፍሊጣ`ላ።

ከምኡ`ውን መንግስቲ ንኤ.ኣይ ማለት ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ብኸመይ ክጥቀመሉ ከም ዘለዎን ከምኡ`ውን ኣብ ወተሃደራዊ ትግባረታት ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ክህልዎን ዝምልከት ወግዓዊ ጌራ`ላ።

ተንተንቲ ነቲ ጻዕርታት ንኢዶሞ ኣለዉ። ንኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ዘይማእዝኑ ከተሕዝ ዝኽእል፡ ካብ ወተሃደራዊ ስለያ ጀሚሩ ክሳብ ሕክምናዊ ምርመራ ዝኸይድ ትግባረ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ልዕሊ`ቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ምቁጽጻር ክገብረሉ ይግባእ ይብሉ።

“ኣብዚ ዘለናሉ ግሎባላዊ ቴክኖሎጂካዊ ናይ ለውጢ እዋን፡ ስርዓትን ርግኣትን ንክህሉ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ሓደ ሓባራዊ ምርድዳእ ክህልወና ኣለዎ” ዝበለት ካመላ ሃሪስ፡ በዚ ምኽንያት`ያ ኣመሪካ ምስ መሻርኽታን መሓዙታን ብምስራሕ፡ እቲ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ሕጊ ክኽበርን፡ ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝምልከት ሓዲሽ ሕግን መምርሕታትን ክተውጽእን ተደሊ ዘላ” ኢላ።

ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኤ.ኣይ ናይ ግዜና ዝዓበየ፡ ሳዕቤናት ዘለዎ” ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝምልከት ሓዲሽ ፕረዚደንታዊ መምርሒ ፈሪሙ`ሎ። እቲ ሕጊ ፡ እተን ዓበይቲ ዝበሃላ ኣፍረይቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ውጽኢት ፈተነ ድሕነት ፍርያተንን ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበረታን ረቛሒታትን ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ጸብጻበ ንከቕርባ ዝሓትት``ዩ።

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ብዙሕ መተግበሪ ፕሮግራማት ኣብ ጠቕሚ እናወዓለ ክመጽእ ጸኒሑ`ሎ። ንኣብነት ኣጀንሲ ወተሃደራዊ ስለያ ዝተባህለ ትካል፡ ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝምልከት ናይ ስለያ ጸብጻባቱ ኣብ ቀረባ መባእታዊ ውጽኢቱ ከፍልጥ`ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG