ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ደ/ኮርያ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዩወል ኣብ ቐይዲ ክኣቱ ኣዚዙ


ደገፍቲ ዩን ሱክ የወል ንትእዛዝ ማእሰርቲ ብምቅዋም ዘካየድዎ ሰልፊ
ደገፍቲ ዩን ሱክ የወል ንትእዛዝ ማእሰርቲ ብምቅዋም ዘካየድዎ ሰልፊ

ሓደ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ፡ ብኽሲ ምውራድ-ስልጣን ፕረዚደንታዊ መዝነቱ ዝተመንዘዐ ዩን ሱክ ዮወል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ኣዚዙ።

ዓቀብቲ ሕጊ'ታ ሃገር ነቲ ስጉምቲ ዝወስዱ ዘለዉ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝኣወጆ ወተሃደራዊ ምምሕዳር፡ ንኽሕተት ሰለስተ ግዜ ተጸዊዑ ምቕራብ ብምእባዩ’ዩ።

ሎሚ ሰሉስ እቲ ናይ ቀይዲ ትእዛዝ ምስ ተመሓላለፈ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደገፍቱ ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ገዝኡ ተኣኪቦም፡ ንዘይሕጋውነት'ቲ ክሲ-ምውራድ ስልጣን ይጭርሑ ኔሮም።

ቅድሚ ሎሚ፡ ገዛኡ ክፍትሹ ንዝኸዱ ፖሊስን መርመርቲን፡ ፕረዚደንታዊ ሓለውቲ ዩን ምእታው ስለዝኸልእዎም፡ ሕጂ'ውን እቲ ናይ ቀይዲ ትእዛዝ ክትግበር እንተኾይኑ ንጹር ኣይኮነን።

እቲ ሕጂ ብፓርላማ ስልጣኑ ተሓዲጉ ዘሎ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ በቲ ተኸሲስዎ ዘሎ ሰውራ ናይ ምልዕዓል ክሲ ገበነኛ ኮይኑ እንተ ተረኺቡ፡ ንሕልፈት ወላ 'ውን ክሳብ ሞት ክቕጻዕ ከም ዝኽእል'ዩ ዜና ኣጃንስ ፍራንስ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG