ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ራማፎዛ ንካልኣይ እብረ መሪሕነት ቃለ-መሓላ ፈጺሞም


ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ዝተዳኸመ ፓርቲኦም ሃገራዊ ባይቶ ኣፍሪቃ (ANC) ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምስራት ድሕሪ ምስምምዑ ንኻልኣይ እብረ መዝነት ሎሚ ረቡዕ 19 ሰነ 2024 ቃለ መሓላ ፈፂሞም ።

ነቲ ኣብ 29 ግንቦት ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ስዒቡ ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ተዓዋታይ ዘይተረኽበሉ ውፅኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባላት ባይቶ ነቶም 71 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዚደንት ዳግማይ ብዓብላሊ ድምፂ መሪፆምዎም ኣለው።

ፕረ.ራማፎዛ ኣብቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍፃሞም ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ሃገራዊ ሓድነት ዘለዎ መንግስቲ ምምስራት ዓሙቕ ትርጉም ዘለዎ ህሞት እዩ። እዚ ጅማሮ ሓዱሽ ዘመን እዩ።” ኢሎም።

“ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ወሃብቲ ድምጺ ንዝኾነ ሓደ ፓርቲ ንበይኑ ከመሓድር ምሉእ ስልጣን ኣይሃብዎን። ፀገማቶም ክንፈትሕን ባህግታቶም ከነግህድን ብሓባር ክንሰርሕ መምርሒ ግን ሂቦምና ኣለዉ።” ክብሉ ኣብቲ ኣባላት ባይቶ፣ ወፃእተኛታት ዕዱማት፣ ሃይማኖታውን ባህላውን መራሕትን ኣብ ዝተረኽብሉን ስነ ስርዓት ቃለ-መሓላ ዘስምዕዎ መደረ ተዛሪቦም።

ምስ ኣባላት’ቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ ይቕፅል ኣብ ዘለሉ እዋን፤ ራማፎዛ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ካቢነኦም ወግዓዊ ክገብሩ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ስነስርዓት ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት ተረኺቦም ኔሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG