ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ ንተኽእሎታት ምእሳር ቭላድሚር ፑቲን ትምርምሮ ከም ዘላ ኣፍሊጣ


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶራ - ፋይል
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶራ - ፋይል

ብዓለማዊ ገበናዊ መጋብኣያ (ICC)፡ ብገበናት ኲናት ዝድለ ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ንኣኼባ ሕብረት ብሪክስ (BRICS) ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዝኸይድ፡ እታ ሃገር ክትወስዶ እትኽል ስጕምታት ተጽንዕ ከም ዘላ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ናለዲ ፓንዶራ ንጋዜጠኛታት ሓቢራ።

እታ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ፡ ዝርዝር ናይቲ ከይዲ ከይሓበረት፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዘሎ ሕጋዊ ኣማራጺታት ብደቂቕ ይምርመር ምህላዉን ኣብ ሓደ መደምደምታ ምስ በጽሑ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ክዛረብ ዝኽእል ፕረዚደንት እታ ሃገር ምዃኑን ሓቢራ።

ቭላድሚር ፑቲን፡ ብዓለማዊ መጋብኣያ ገበን፡ ኣብ ኲናት ዩክሬን ብዝፈጸሞ ገበናት ክእሰር ዝተፈረደ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቃናዕ ኣኼባ ኪዳን ብሪክስ ንምስታፍ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብታ ሃገር ንክኸይድ ትጽቢት ይግበር።

ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ፈራሚት ኣባል እቲ መጋብኣያ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣሲራ ከተረክቦ ግዴታ ዘለዋ ኰይና፡ ነቲ ጉዳይ ክትፍጽሞ ትኽእል እንተዀይና ነዊሕ ከዛረብ ጸኒሑ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2015 ብተመሳሳሊ ገበናት ዝደለ ዝነበረ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር’ውን ናብታ ሃገር ምስ ኣተወ ኣየረከበቶን።

ሰብ-መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ስምምዕ ዓለማዊ መጋብኣያ ክስሕቡ ከም ዝኽእሉ ኣብ ቀረባ ግዜ ክዛረቡ ጸኒሖም’ዮም። ዛጊት ግን ኣብቲ ውሳነ ኣይበጽሑን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG