ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰኔት ሩዋንዳ ፕረዝደንት ካጋመ አብ ስልጣን ክጸንሑ ዘኽእሎም ሕጊ አጽዲቑ


ናይ ሩዋንዳ ሰኔት ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ፖል ካጋሜ ክሳብ 2034 ዓ.ም.ፈ ኣብ ስልጣኖም ክጸንሑ ዘኽእሎም ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ኣጽዲቑ።

እቲ ሰኔት ነቲ መመሓየሺ ሎሚመዓልቲ ብምሉእ ድምጺ ምጽዳቑ ተፈሊጡ'ሎ።ምምሕያሽ እቲ ሕገ-መንግስቲ ንህዝበ-ውሳነ ክቐርብ እዩ እንተኾነ ግን ብቐሊሉ ክሓልፍ እውን ትጽቢት ይግበር።

ፕረዝደንት ካጋሜ ካብ 1994 ዓ.ም.ፈ ጀሚሮም ነታ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ መራሒ'ዮም።

ብመሰረት ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ፕሬዝዳንት ካጋሜ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመኖም ኣብ መፋርቕ 2017 ዓ.ም.ፈ ክወርዱ ይግባእ ይኹን ደአ እንበር በዚ ሓድሽ ዝተመሓየሽ ሕገ- መንግስቲ መሰረት ንካልእ ሸውዓተ ዓመት ክወዳደሩ ዘኽእሎም ቀጺሉ ድማ ንክልተ ናናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን እዋን ወይ ን10 ዓመታት ክወዳደሩ ዘፍቅደሎም እዩ።

XS
SM
MD
LG