ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብገበን ምጽናት ዓሌት ዝተኸሰ ሩዋንዳዊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑቕባ ክወሃቦ ይሓትት


ፉልጀንስ ካዪሸማ
ፉልጀንስ ካዪሸማ

ኣብ ገበን ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳ ተሳቲፉ ብዝብል ዝተኸሰሰ ኣባል ፖሊስ ሩዋንዳ ነበር ፉልጀንስ ካዪሸማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑቕባ ክወሃቦ ሓቲቱ።

ንሱ ብተወሳኺ መሰል ዋሕስ ክፍቐደሉ ዘቕረቦ ሕቶ ከምዘይቕጽሎ ዓቃቢ ሕጊ ደቡብ ኣፍሪቃ ገሊፁ።

ካዪሸማ ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳ ተሳቲፉ ክብል ክድለይ ዝፀንሐ ኮይኑ ካብ 2001 ጀሚሩ ተሓቢኡ ድሕሪ ምፅንሑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ካብ ከተማ ኬፕታዎን ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ወይኒ ሽሙ ቀይሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ቐይዲ ዝኣተወ።

62 ዓመት ዝዕድሚኡ ካዪሸማ ኣብቲ ብ1994 ዝተፈፀመ ንሞት 2,000 ሰባት ዘስዓበ ፍጻመ ኣዚዝካ ብዝብል እዩ ተኸሲሱ።

ንሱ ግን ኣብ መጥቃዕቲ ናይቲ እዋን ምፅናት ዓሌት ከምዘይተሳተፈ ብምግላፅ በቲ ፍፃመ ግን “ይሓዝን” ክብል ተዛሪቡ።

ካዪሸማ ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መብዛሕትኦም ምስ ስደተኛታት ዝተተሓሓዙ 54 ክስታት ቀሪቦምሉ ይርከብ። ሃገራዊ ዓቃቢ ሕጊ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምንታይ ምኽንያት ዑቕባ ይሓትት ምህላዉ ንዝምልከት ዝሃቦ መብርሂ የለን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ካዪሸማ ንሩዋንዳ ኣሕሊፉ ክወሃብ ከምዝኽእል'ውን ይግለጽ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ንተወሳኺ መርመራ ን18 ነሓሰ ቆፀሮ ተታሒዙሉ ኣሎ።


ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG