ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኣማንነት ናይ ሩዋንዳ ናይ ድኽነት ስታቲስቲክስ የከራኽር ከምዘሎ ተፈሊጡ


ኣብ ሩዋንዳ ተኣማንነት ስታቲስቲክስ ድኽነት ሙግትን ክርክርን ከምዘልዐለ ተገሊፁ።መንግስቲ ድኽነት ብዝቕልጠፈ ከምዝነከየ ይገልፅ።፤ህዝቢ ግን ድኽነት ኣሎ ይብል፤ተሓለቕቲ ብወገኖም ንናይ መንግስቲ ሓበሬታ ይጠራጠሩዎ።

ብሓደጋ ሞተር ብሽክሌታ ኣእጋሮም ዝስኣኑ 79 ዝዕድሚኦም ሩዋናዳዊ ኣናኒያስ ሙኒያሩቡጋ ኣብ ድኽነት ይነብሩ።ዝነብርሉ ገዛ ኣዚዩ ሕማቕ ምግቢ ንምርካብ ድማ ከቢድ ምዃኑ ይዛረቡ።

ዝኾነ ሰብ ገለ ዝብላዕ ክሳብ ዘምፅአሎም ንልዕሊ ሰለስተ ማዕልታት ከይበላዑ ከምዝቕንዩ ዝገለፁ ንሶም ‘’እቲ ድኽነት ልክዕ የብሉን’’ ይብሉ።

መንግስቲ ክሕግዞም ተስፋ እንተገበሩ እውን ዛጊ ደገፍ ከምዘይረኸቡ ብምሕባር ነታ ዝተረፈቶም ግዜ ዝነብሩላ ገዛ ክሰርሓሎም ንመንግስቲ ይሓቱ።

መንግስቲ ሩዋንዳ ሕሱም ድኽነት ናይታ ሃገር ብዝለዓለ ቕልጣፈ ከምዝወረደ ይገልፅ።ኣብ 2007 ኣ/ፈ 60 ምእታዊ ህዝቢ ሩዋንዳ ኣብ ድኽነት ከምዝነበረን ኣብ 2017 ኣ/ፈ ናብ 34 ሚእታዊ ከምዝወረደን ይገልፅ።

ኣብ ለንደን ዝመደብራ ጋዜጣ Financial Times መንግስቲ ተቐባልነት ናይ ሩዋንዳ ፕሬዝዳንት ፖል ካጋመ ክብ ንምባል ነቲ ናይ ድኽነት ስታቲስቲክስ ከም ዝጥዕሞ ተጠቒምሉ እዩ ክትብል ፀብፂባ’ላ።ካጋሜ ግን ነቲ ፀብፃብ ነፂጎምዎ ኣለው።

‘’ናይዚ መበግሲኡ ኣፍሪካዊያን ኣይሰርሑን፤ኣፍሪካዊያን ስርሖም ዝዓየዩ ምዃኖም ኣብ ገለ ብዝከርቡ ኣካላት ክረጋገፅ ኣለዎ ዝብል ትኽክል ዘይኮነን ዘይ ምክኑይ ጽለኢትን እዩ’’ይብሉ።ብምስዓብ ‘’ናይ ዝኾነ ይኹን መረጋገፂ ኣይንደልን።ንዓና ዝጠቅምን ናብቲ እንደልዮ ሸቶ ዝወስዱና ነገራት ክንሰርሕ ኣለና’’ ኢሎም ብምውሳኽ።

ኣብ ባንኪ ዓለም ክኢላ ቁጠባ ኣጋሲ ሚክርቺያን ሩዋንዳ ካብ ናይ 1994 ኣ/ፈ ምፅናት ዘርኢ ጀሚራ ዓብዪ ስዳሮ ኣርእያ ኣላ ይብሉ።ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብማእኸላይ ኣስታት 7 ሚእታዊ ዕብየት ከምዘመዝገበት እውን ወሲኾም ይዛረቡ።እታ ሃገር ብዙሕ ከምዝተርፋ ግን ንሶም ይኹን ካልኦት ክኢልታት ይገልፁ።

ኣስታት 40 ሚእታዊ ሩዋንዳዊያን ኣብ ማዕልቲ ብትሕቲ ክልተ ዶላር ይነብሩ።

ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:34 0:00

XS
SM
MD
LG