ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእከላት እጓለ-ሙታን ሩዋንዳ ንምሕቃቅ ፃዕሪ ተጀሚሩ


ድሕሪ ጭፍጨፋ ሩዋንዳ'የን በርኪተን

ቅድሚ 18 ብጠንቂ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ፣ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህፃናት፣ካብ ወለዶም ሓዲኦም ተቀቲሎምዎም‘ዮም።ስዒቡ ነቶም ህፃናት ንምሕብሓብ ብርክት ዝበሉ እጓለ-ሙታን ተኸፊቶም።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ግና፣መንግስቲ ሩዋንዳ እቶም ማእከላት መዕቆቢ ህፃናት ንምዕፃው ይሰርሕ‘ሎ።

ቀ/ሚ ሩዋንዳ ፕዬሪ ሃቡሜሪምይ፣ቅድሚ ጭፍጨፋ ምፍፃሙ ብኣፃብዕቲ ዝቁፀራ ዝነበራ ማእከል እጓለ-ሙታን፣ሎሚ ልዕሊ ሰላሳ ኮይነን ኣለዋ በሉ።

”እጓለ-ሙታን ኣካል ባህሊ ሩዋንዳ ኣይነበረን።ህፃናት ብሕልፊ ወለዶም ዝሳኣኑ ህፃናት ናይ ተኸናኺንካ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ናይ‘ቲ ማሕበረ-ሰብ እዩ።እዚ‘ዩ ነይሩ ባህሊ ህዝቢ ሩዋንዳ” ይብሉ እቶም ቀ/ሚ።

ብርክት ዝበሉ መፅናዕታት፣ወለዶም ኣብ ዝሳኣኑ ህፃናት ዝርከቡሉ ማእከላት ምርካብ ዘይትምንዮ ነገር ምኻኑ‘ዮም ዘረጋግፁ።ኣብ እንግሊዛዊ ትካል ረድኤት ሓላፊት ጨንፈር ሩዋንዳ ክላውድየን ንይዋጋጋ ክትዛረብ ከላ ”ኣብ ማእከላት ዝዓብዩ ህፃናት፣ፍቅሪ ዝጎደሎም ኮይኖም‘ዮም ዝዓብዩ። ገሊኦም ብኣመጋግባ ዝተጎድኡ፣ገሊኦም ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞም፣ካልኦት ድማ ዘዕግብ ትምህርቲ ዘይረኽቡሉ ኩነታት‘ዩ ዘሎ” ኢለን።

ሩዋንዳ፣ብቀ/ሚ ዝተመርሐን ብትካል ህፃናት እንግሊዝ ተስፋን ቤተ-ህፃናትን ተደጊፋን፣ነቲ ማእከል እጓለ-ሙታን ንክዕፀው ዝወጠነ ፖሊሲ ምፍራስ ማእከላት ትትግብር ኣላ።

ምስ ሓንቲ ሙውቅቲ ስድራ-ቤት ክነፃፀር ከሎ፣ዘተኣማምን‘ውን ክባሃል ዝኽእል ማእከል እጓለ-ሙታን ገለ ጉድለት ኣለዎ።

ክሳብ‘ዚ ቀረባ እዋን፣እታ ኣብ ጥቃ ኪጋሊ ዘላ ማእከል እጓለ-ሙታን ፖሪ ፒፋ፣ልዕሊ ሓምሳ ህፃናት ትሕብሕብ ነይራ።እንተኾነ እዛ ማእከል‘ዚኣ ድሕሪ ግንቦት ክትዕፆ‘ያ ዝተባሃለት ፈላመይቲ ማእከል ህፃናት‘ያ።

ካብ ማእከል ፖሪ ፒፋ ዝሰናበቱ ቆልዑ፣ብፍቅሪ ኣብ ዘዕብይዎም ስድራ ቤታት ወይካኣ ምስ ኣዝማዶም ንክዓብዩ ምቅርራብ ተገይሩ‘ሎ።ዳይረክተር እታ ትካል ኣኑንስየት ባሙራንጂ ”መንግስቲ ቆልዑ ምስ ስድራ-ቤታት ክዓብዩ ከለው ዘለዎ ረብሓ ኣርእዩኒ። ገሊኦም ማእከላት እጓለ-ሙታን ናብ‘ቲ ፕሮግራም ክሕቆፉ ኣይደልዩን። ምኽንያቱ፣ቆልዑ ከምምንጪ ገንዘብ‘ዮም ዝሪኡዎም” ትብል።

ዜይና ንዪራማታማ፣ዋና ፀሓፊት ኮምሽን ህፃናት ሩዋንዳ‘ያ።እቲ ፕሮግራም ካብ ታሕቲ ከምዝጅምርን፣ኣካል‘ቲ ህዝቢ ሩዋንዳ ንፀገም ዝተቃልዑ ህፃናት ዘለልየሉን ዝፈትሐሉን ሃገራዊ ፖሊሲ ምኻኑ ትጠቅስ።

”መራሒ ገፀርን ቤት-ምኽሪ ገፀርን ነቲ ጉዳይ ክሪኡዎን ነቲ ፀገም ክፈትሕዎን ይግባእ።ብዝተሓተ ብርኪ ክፈትሕዎ ዘይካኣሉ ነገር ኣሎ እንተኾይኑ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከቅርብዎ ይኽእሉ‘ዮም” በለት ንሳ።

16 ዓመት ዝዕድሚኡ ሞሰስ፣ተረባሓይ‘ቲ ሓድሽ መንግስታዊ ፕሮግራም‘ዩ። ከዕብዮም ዘይካኣለ ወላዲኦም፣ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት፣ንዕዑን ንንእሽተይ ሓፍቱን ከምዝደርበዮም እቲ ዜና ይሕብር።

ፕሮግራም ተስፋን ቤተ-ህፃናት ሳላ ዝገበሮ ፃዕሪ ግና፣ወላዲቶም ብህይወት ተረኺባ፣ዳሓር ክትዛረብ ከላ፣ንደቃ ንነዊሕ ጊዜ ትደልዮም ከምዝነበረት ገሊፃ።እታ ስድራ-ቤት ናብ ሓደ ተጠሚራ‘ላ።ሎሚ ሞሰስ፣ሓፍቱን ወላዲቶምን ኣብ‘ታ ሙውቅቲ ጎጆኦም ኮይኖም ንዘሕለፍዎ ጊዜ ይዝክሩ።

”ልዕሊ ኩሉ እቲ ዘሐጉስ ነገር ምስ ኣዴኻ ምርኻብ‘ዩ።ኣብ ማእከላት ህፃናት ኢና ተዓፂና ንነብር ነይርና።ዘፍቅረካ ሰብ የለን።ትምገብ፣ትድቅስ፣ ቤ/ትምህርቲ ትኸይድ።ካብኡ ዝሓለፈ ንህይወት ተስተማቅረሉ ኣገባብ ዳርጋ የለን።ሎሚ ግና መንነትና ፈሊጥና፣ናብራና ከምዘሎ ተቀይሩ‘ዩ” ባሃላይ‘ዩ ሞሰስ።

ኣብ ምጥያሽን እግሪ ምትካልን ህፃናት ማእከላት እጓለ-ሙታን ሩዋንዳ ንዓይኒ ሕ/መ ማሪኻ‘ላ።በቲ መደብ ዕግበት ዝተሰመዖም ቀ/ሚ ሩዋንዳ ሃቡሙርያሚ ብወገኖም፣ዝሓለፈ ታሕሳስ ንሓደ 18 ኣዋርሕ ዝዕድሚኡ ቆልዓ ንከዕብዩ ተረኪቦም ኣለው።

”ዝተድርበየ ህፃን ስለዝኾነ መን ከምዝባሃል‘ኳ ሽሙ ኣይንፈልጦን።ኣብ ህንዲ ይማሃር ዘሎ ቦኽሪ ወደይ “ታምቢ” ዝብል ሽም ኣውፂኡሉ። ብህንድኛ ንእሽተይ ሓወይ ማለት‘ዩ።ወደይ ኮይኑ‘ሎ“ ኢሎም ንሶም።

መበል 18 ዓመት ዝኽሪ ጭፍጨፋ ሩዋንዳ ኣብ ዝተቃረበሉ እዋን፣ኣብ‘ቲ እዋን ናፅላ ህፃናት ዝነበሩ፣ሎሚ (ናብ ዕድመ-ኣዳም) ባፂሖም‘ዮም።ስለዚኾነ እዚ እዋን‘ዚ፣ህዝቢ ሩዋንዳ፣ብዛዕባ‘ቲ ሱር ዘለዎን ንዝተቃልዑ ህፃናት ብሓባር ምሕብሓብ ዝብል ጥንታዊ ባህሎምን ዘስተንትሉሉ እዋን‘ዩ።

XS
SM
MD
LG