ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ምምላስ ዝብል ውጥን ነጺጉዎ


ቤት ፍርዲ ሰማዒ ይግባይ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ሩዋንዳ ክስደዱ መንግስቲ እታ ሃገር ዝሓዞ ውጥን ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ሎሚ ሓሙስ ወሲኑ።እዚ ውሳነ'ቲ ቤት ፍርዲ 'ኢንግሊሽ ቻነል' ተባሂሉ ብዝፅዋዕ መተሓላለፊ ባሕሪ ኣቢሎም ሓደገኛ ጉዕዞ ንዝገብሩ ስደተኛታት ጠጠው ከብል እየ ኢሉ መፅብዓ ንዝኣተወ ናይ ዓቃባዊያን መንግስቲ ዘጉሂ እዩ።

እቲ ብይን ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ድምፂ ዝተወሰነ ክኸውን ከሎ፡ ደያኑ እቶም ስደተኛታት ክግዕዙላ ዝተባህለት ሩዋንዳ "ዝሓሸት ሳልሰይቲ ሃገር ተገይራ ክትረአ ኣይትኽእልን’’ ኢሎም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስተር ሪሽ ሱናክ ነተን ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ፅዒነን ዝመፃ ጀላቡ ደው ክነብለን ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም እዮም። ኣብ 2022 ልዕሊ 45,000 ሰባት ነቲ ቻነል ብምቁራፅ ብሪጣንያ ኣትዮም ብዙሓት ድማ ንምቁራፅ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ህይወቶም ስኢኖም።

መንግስታት ኢንግሊዝን ሩዋንዳን ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ተላኢኾም ሕቶ ዕቑባ ኣብኡ ኮይኖም ከሳልጡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተሰማሚዖም ነይሮም።ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዑቕባ ዝተወሃቦም ኣብ ክንዲ ናብ ብሪጣንያ ዝምለሱ ኣብ ሩዋንዳ ክቕመጡ'ዩ ።

ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ውጥን ሰባት ናብ ዘይደልዩዋ ሃገር ክልኣኹ ምግዳድ ዘይሞራላውን ኢሰብኣውን እዩ ይብሉ። ንሶም ወሲኾም ሩዋንዳ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣለዋ ይብሉ። መንግስቲ ሩዋንዳ ግን እታ ሃገር "ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ድሕንነት ዘለወን ሃገራት’’ እያ ክብል ነቲ ብይን ተቓዊሙዎ።

ብሪጣንያ ነዚ ውጥን ንምትግባር ድሮ 170 ሚሊዮን ዶላር ንሩዋንዳ ከፊላ'ያ ይኹን ደኣ እምበር ክሳብ ሕጂ ናብ ሩዋንዳ ዝተባረረ ስደተኛ የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG