ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያዊያን ድሕሪ ኣዋጅ ክተት ካብታ ሃገር ክወጹ ይጎየዩ


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክፋል ዕቑር ሰራዊት እታ ሃገር ናብ ኲናት ዩክሬን ክኸትት ኣዋጅ ድሕሪ ምእዋጆም ሓያለ ሩስያውያን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ናይ ነፋሪት ትኬት ንምዕዳግ ይጓየዩ'ለዉ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብቴሌቭዥን ከምዝበልዎ
300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ክኸቱ ክግበር እዩ። ድሕሪ እቲ ፑቲን ዝኣወጅዎ ሓፈሻዊ ኣዋጅ ክተት ዶባት ቀልጢፉ ክዕጾ ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሂ ብምፍጣሩ ዋጋ ትኬት ነፋሪት ኣዝዩ ንሂሩ'ሎ።

ፑቲን ወታሃደራቶም ንዩክሬን ንኽወሩ ካብ ዝእዝዙ ኣትሒዙ ንዝሓለፈ ዳርጋ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብዙሕ ዝቁጽሮም ሩስያውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ወጺኦም'ዮም።

ድሕሪ እቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀባት በረራ ዝገብር ካብን ናብን ሩስያ ዝበራ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ቱርኪን ሰርብያን ጥራይ ክኾና ኸለዋ መንገዲ ኣየር ሰርብያ ከምዘፍለጦ ድሮ ንዝቅጽላ ሓያለ መዓልታት ትኬት ነፈርቲ ተሸይጡ ተወዲኡ'ሎ።

ካብ ሞስኮ ናብ ኢስታንቡል ወይ ዱባይ ዋጋ ትኬት ነፈሪት ኢኮኖሚ ንመኸዲ ጥራይ 9,119 ዶላር በጺሑ'ሎ።

XS
SM
MD
LG