ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ አየር ሩስያ ምኽንያት አብ ግብጺ ዝወደቐት ነፋሪት 'ደጋዊ'ዩ' ኢሉ


ላዕለዎት ሰበስልጣን መንገዲ ኣየር Metrojet ምኽንያት ኣብ ሰማያት ግብጺ ተበታቲና ዝተሓምሸሸት መጎዓዚያ ነፋሪት ሩስያ ቴክኒካዊን ሰብ ዝፈጸሞ ጌጋን ኣይኮነን፤የግዳስ ደጋዊ ምኽንያታት እዮም ኢሎም።በቲ ሓደጋ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 224 ሰባት ሞይቶም'ዮም።

‘’እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እናሃለወት ክትበታተን ዘኽእል ቴክኒካዊ ጸገም የለን’’ዝበሉ ኣሌግዛንደር ስሚርኖቭ ዳይረክተር በረራ ቻርተር መንገዲ ኣየር ኮጋሊማቪያ ሎሚመዓልቲ ኣብ ሞስኮ ኣብዝሃብዎ ቃል ‘እታ ነፋሪት ትበርር ኣይነበረት፤እኳድኣስ ትወድቕ እያ ነይራ’ ኢሎም።ብተወሳኺ 'ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ንዘጋጠመ ሓደጋ መልእኽቲ ንምሓልፍ እውን ዕድለ ኣይሃቦምን’ኢሎም።

ኣብ ግብጺ ጨንፈር ዳዕሽ ነታ ነፋሪት ወቒዐ ዘውደቕኩዋ ኣነ እየ ምባሉ ግን ግብጽን ሩሲያን ኣይተቐበልኦን።

ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ዩናይትድ ስቴትስ ጄምስ ክላፐር ብወገኖም ኢድ ኣሸበርቲ እንተሃልይዎ መርትዖ ኣይረኸብናን ኢሎም።እንተኾነ ግን ኢሎም ብምውሳኽ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ናይ ግብጺ ወሽመጥ ሲናይ ብሰፊሑ ይንቀሳቐስ እዩ ኢሎም።

እታ ነፋሪት ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም 224 ሰብ ኣሳፊራ ትጉዓዝ ኣብ ነበረትሉ እዋን'ያ ኣብ በረኻታት ሲናይ ካብ ራዳር ወጻኢ ኮይና ድሕሪ ምስዋራ ምውዳቓ ይፍለጥ።ዳርጋ ኩሎም እቶም ተሳፈርቲ ሩሲያዊያን በጻሕቲ ነይሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓበሬታ በረራን ፓይለት ዘካይዶም ርክባትን ዝቐድሑ ክልቲኦም መሳርሒታት /black boxes/ ተረኺቦም ኣለው።

ኣየር ፍራንስ፣ሉፍታንዛ፣ኤምሬትስን መንገዲ ኣየር ኳታርን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ መንገድታት ኣየር ንድሕነተን ብምስጋእ ብናይ ሲናይ ወሽመጥ ምብራር ጠጠው ኣቢለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG