ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ዞባታት ዩክሬን ዘዋደደቶ ሪፈረንደም ሎሚ ክኻየድ'ዩ


ሩስያ ዘዋደደቶ ረፈረንደም ግዝኣታት ዩክሬን ዝኾና ኣርባዕተ ክፍላተ ሃገራት፣ ሎሚ ዓርቢ ክካየድ እዩ።

እቲ ብምዕራባዊያን ብሰፊሑ ዝተኾነነ መስርሕ፣ ሩስያ ኣብ’ቲ ከባቢ ድሕሪ ዝፈጸመቶ ጎበጣ ሕጋዊ ሽፋን ንምሃብ ዝካየድ ከምዝኾነ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶኣ ዝሃበት ኢለና ዝተባህለት ጓለንስተይቲ "ክትፈልጥ ትደሊ እንተኾይንካ፣ ሩስያ ዘልኣለማዊት ኣደና፣ ብዘይካኣ ተስፋ የብልናን። ዩክሬን እንተኾነት ራሕሪሓትና እያ ከይዳ" ትብል።

ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ "እዚ ህዝበ ውሳነ ኣይኮነን፣ ከም’ቲ ብሂል ናይ ሩስያ፣ መርዓ ኣኽላባት እዩ" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG