ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ስትራቴጂካዊ ሓይልታት ኑክሌር ሩስያ ኣብ ተጠንቀቕ'ዮም" ፕረ. ፑቲን


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ንዝኾነ ስግኣት ጸጥታ ሃገራ ከም ዘይትዕገሶ፡ ስትራቴጂካዊ ሓይልታት ኑክሌር'ታ ሃገር ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ፑትን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ሩስያ ኣብ ካል ኣይ ኵናት ዓለምንምጽንባር ዝተዳለወ ስነ- ስርዓት፡ “ ሩስያ ዓለማዊ ረጽሚ ንምውጋድ ኩሉ ዝክኣላ ክትገብር`ያ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ግን ዝኾነ አካል ከፈራርሓና ኣይነፍቅድን ኢና” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ሓይልታት ስትራተጂካዊ ኑክሌራትና ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ እዮም ዘለዉ ኢሉ። ፑትን ኣብ ጠፈር ኣጽዋራት ኑክሌር ብዛዕባ ምስፋር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘሎ ክትዕ ኣመልኪቱ`ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG