ዋሽንግተን —
ካብ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ናይ ማእሰርቲ ብይን ዝጽበዮ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናብ መንጎሊያ በጺሑ። ፈራሚት ስምምዕ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ዝዀነት መንጎሊያ ግን ኣሲራ ከተርክቦ ምዃና ኣንፈት የሎን፡ ዛጊት’ውን ኣይመስልን።
ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ፑቲን ብገበን ኲናት ኣብ ዩክሬን ተሓታቲ ኰይኑ ኣብ ዝኸዶ ተኣሲሩ ክርከብ በቲ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ዝተዋህበ ብይን፡ ፑቲን ናብ ኣባል ሃገር ክጓዓዝ ንፈለማኡ’ዩ። ዩክሬን ንመንጎሊያ ኣሲራ ከተረክቦ ትሓትት ኣላ። ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ብግደኡ ብኣተሓሕዛ መንጎሊያ ዝተሰምዖ ቅሬታ ገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሰብ-መዚ ሩስያ ግን ኣብቲ ጉዳይ ሻቕሎት የብሎምን ።
ቅጥዒ