ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ 60 ናይ ሩስያ ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ክትሰጉግ ምዃና ኣፍሊጣ


ኣሜሪካ ናይ ሩስያ ሰለይቲ እዮም ኢላ ንዝበለቶም 60 ዲፕሎማት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ።

ከም ጀርመን: ፈረንሳን ፖላንድ ዝአመሰላ ካልኦት መሻርክቲ ኣሜሪካ ዝኾኑ ሃገራት እውን ኣብ መጋቢት 4 ኣብ ብሪጣንያ ምስ ጓሉ ብመርዚ ዝተቐትለ አባል ስለያ ሩስያ ነበር ብዝተሓሓዝ አብ ሃገራተን ዝነበሩ ዲፕሎማት ክወጹ ብምእዛዝ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዶም።

እዚ ስጉምቲ ኣሜሪካ ድሕሪ ኣብ ሃገራ ዝነበረ ቆንስል ሩስያ ምዕጻዋ ዝተወስደ ምዃኑን ከም ግብረ መልሲ እቲ ብሩስያ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምጥሓስ ዓለምለኸ ስምምዕ ኬሚካላዊ ኣጽዋር እዩ።

ብሪጣንያ ትርኸቦም ሃገራት ኣውሮጳን ኔቶን እቲ መጥቓዕቲ ብሩስያ እዩ ተፈጺሙ ክብሉ ይኸሱ።

XS
SM
MD
LG