ዋሽንግተን —
ማእከላይ ባንኪ ሩስያ ዝቕባበ ንምንካይ ወለድ ለቓሕ ናብ 16% ክብ ኣቢልዎ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ፡ ካብ ዝሓለፈ ከረምቲ ጀሚሩ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ እዚ ንሓሙሻይ ጊዜ`ዩ።
ድሕሪ ኲናት ምስ ዩክሬንን ማዕቀባት ምዕራባውያንን፡ ማእከላይ ባንኪ ሩስያ ንቁጠባ ሩስያ ካብ ምውዳቕ ንምድሓን ክቃለስ ጸኒሑ`ሎ።
ከምኡ ዝበለ ጽኑዕ ምቁጽጻር ገንዘብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከም ዝጸንሕ `ውን እቲ ባንኪ ሓቢሩ`ሎ።
እቲ ውሳነ ወሰኽ ወለድ ለቓሕ ዝስማዕ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ዝመጽእ ዓመት `ውን ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዝወዳደር ድሕሪ ምፍላጡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን`ዩ። ኣብዚ ምርጫ እንተተዓዊቶም ድማ ፕረ. ፑትን ክሳብ 2030 ክመርሑ ብገፊሑ ይግመት።
ቅጥዒ