ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፡ ዩክሬን ንቤላሩስ እንተጥቒዐ ግብረ-መልሲ ከምትህብ ኣጠንቂቓ


ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ - ፋይል
ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ - ፋይል

ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ሩስያ ዝኾነት ቤላሩስ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ምዕራባዊያንን ዩክሬንን ከቢድ ጥፍኣት ከምዝስዕበን ሩስያ ኣጠንቂቃ።

ሩስያ ኣብ’ታ ‘ታክቲካዊ ኣጽዋራት ኑክሌር’ ዘዋፈረትላ ቤላሩስ ጉዳይ ጣልቃ ከምትኣቱን ከምትከላኸለላን’ውን ኣፍሊጣ።

ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበት ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ በቲ ኣብ ጥቃ ዶብ ቤላሩስን ዩክሬንን ይራኣዩ ዘለው ተኹታኺ ተግባራት ሩስያ ከምዝተሻቀለት ሓቢራ።

ሰራዊት ዩክሬን ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ምስ ደፍኡ እሙን መዋግንቲ ፑቲን ዝኾኑ ፕረዚደንት ቤላሩስ፣ ጭብጢታት ከየቅረ፣ ዩክሬን ንቤላሩስ ክተጥቅዕ ውጥን ኣለዋ ከምዝበሉ እቲ ዜና ይሕብር።

ዝሓለፈ ወርሒ መግለጺ ዘውጸአ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ መሓዛና ዝኾነ ህዝቢ ቤላሩስ ስጉምቲ ንምውሳድ ሓሲብናዮ’ውን ኣይንፈልጥን ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG