ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሩስያ ንወታሃደራት ዋግነር ከም ዘይከስስ ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ፈደራላዊ መርመራ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዕሱብ ሰራዊት ዋግነር ምስ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣተሓሒዙ ክግበሮ ዝጸንሐ ምርመራ ሎሚ ሰሉስ ከም ዘቋረጾ ኣፍሊጡ።

ቀዳም ኣብ መንጎ መንግስቲን እቲ ዕጡቕ ጕጅለን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት እቲ ጕጅለ ዝግበር ምርመራ ደው ክብል ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ። ነቲ ኣብ እዋኑ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ስዒቡ ድማ መንግስቲ ነቲ ጕጅለ ብገበን ከም ዘይከሶም ብመገዲ ወግዓዊ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣቢሉ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ እቲ ጕጅለ ዓጢቑዎ ዝጸንሐ ከበድቲ ኣጽዋር ንሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ከረክቦ ይዳሎ ከም ዘሎ ገሊጹ። ብዛዕባ’ዚ ዝተባህለ ምርኽኻብ ግን ካብ ጕጅለ ዋግነር ዝተዋህበ መግለጺ ዛጊት የሎን።

መራሒ ዕጡቕ ጕጅለ ዋግነር ዝዀነ የቭገንይ ፕሪጎዚን ዛጊት ሃለዋቱ ኣይተፈልጠን። ኣብ ቤላሩስ ከም ዘሎ ግን ይጥርጠር። ፕሪጎዚን እቲ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም ዘጓንፍ ንደሓር ንፈለማ እዋን ትማሊ ሰኑይ ብመገዲ ቴለግራም ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ “ፍትሒ ደሊና ደኣ’ምበር ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ክንግልብጥ ናብ ክረምሊን ኣይመረሽናን፡” ኢሉ።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ መደረኦም፡ ዕጡቓት ኣባላት ሰራዊት ዋግነር ናብ ምዱብ ሰራዊት ሩስያ ወይ ድማ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ኰይኖም ክቕጽሉ ከም ካልእ ምርጫ ድማ ናብ ስድራቤቶም ክፋነዉ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG