ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ግዝኣታት ዩክሬን ደብዳብ ምክያዳ ተገሊጹ


ወታሃደራት ሩስያ ኣብ ግዝኣታት ዩክሬን
ወታሃደራት ሩስያ ኣብ ግዝኣታት ዩክሬን

ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ዩክሬን ክርሶን ብዘካየድዎ ደብዳባት ብዉሑዱ ክልተ ሰባት ምሟቶም ሰበ-ስልጣን ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጦም።

ኣመሓዳሪ ክርሶን ኦለክሳንደር ፕሮኩዲን ከባቢኦም ብድሮናትን ተወንጨፍቲን ሩስያ ከምዝተሃርመን ሓደ ካልእ ሰብ ከኣ ምቁሳሉን ብቴለግራም ገሊፆም።ኣመሓዳሪ ዲፕሮፐትሮቪሲክ ሸርሂይ ልይሳክ ብወገኖም ኣብ ከተማ ዲንፖር ብመጥቃዕቲ ሩስያ ብዉሑዱ ሰለስተ ሰባት ሆስፒታል ምእታዎም ኣፍሊጦም። ሓያለ ህንፃታት በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከም ዝወረዱም ወሲኾም ገሊፆም።

ሰራዊት ዩክሬን ብወገኑ ካብተን 117-ዝተዋፈራ ድሮናት ሩስያ ነተን 71-ሃሪሙ ከምዘውደቐ ገሊጹ'ሎ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብወገኑ 77-ድሮናት ዩክሬንን መብዛሕትኤን ኣብ ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ወቂዑ ከምዘውደቐ ገሊፁ’ሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG