ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዩክሬን ሓገዝን ስልጠናን ዝህብ ኣሃዱ ኔቶ ስርሑ ኣብ ቀረባ ከምዝጅምር ዋና ጸሓፊ ኔቶ ገሊጾም


ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልንበርግ ኣብ ብሪጣንያ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ
ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልንበርግ ኣብ ብሪጣንያ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ

ንሰራዊት ዩክሬን ሓገዝን ታዕሊምን ዝልግስ ብኔቶ ዝቆመ ኣሃዱ ስርሑ ኣብ ውሽጢ ቁሩብ ኣዋርሕ ከምዝጅምር ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልንበርግ ኣፍሊጦም።

ንሶም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ስልጠና መስከረም ከምዝጅምር፣ ሰለስተ ኾኸባት ዘለዎ ጀነራል ዝመርሖም 700 መኮንናት ከምዘሳትፍን ገሊጾም።

የንስ ስቶልንበርግ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ ኣስታት 50 መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ብሪጣንያ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሮም እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG