ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩክሬን ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ፡ ባይቶ ጸጥታ ርክብ ይገብር


 ገለ ካብቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝበጽሖ ቦታ
ገለ ካብቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝበጽሖ ቦታ

ሩስያ ብሰንሰለታዊ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ዩክሬን 37 ሰባት ቀቲላ ን170 ድሕሪ ምቝሳላ፡ ዩክሬን ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ ኣላ። ካብ መንጎ’ቶም ዒላማ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝዀኑ ሆስፒታል ህጻናት ኪቭ ይርከቦም።

ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሓዊስካ፡ ሓያሎ መራሕቲ ነቲ መጥቃዕቲ ኣትሪሮም ኰኒኖሞ ኣለዉ። ሩስያ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ መኽዘንን ፋብሪካን ብረት ምዃኑ ትገልጽ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺማ ዝብል ክሲ ድማ ትነጽጎ። ከም ሓበሬታ ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ እቲ ዕንወት ብሚሳይል ምክልኻል ዩክሬን ዝወረደ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ዘተ ኣካዪዱ ኣሎ። እዚ ኣኼባ ብጠለብ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልዲመር ዘለንስኪ ዝተጸውዐ’ዩ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምክትታል ንሰብኣዊ መሰላት ጉዳያት ዩክሬን ዝዀነት ዳኒየለ በል፡ “ናይ ሰኑይ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ንዩክሬን ካብ እትወራ ኣትሒዛ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡን ዝሓየለ ዕንወት ዘውረዱን፡” ክትብል ገሊጻቶ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG