ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ሓደ ለይቲ 188 ድሮናት ተኲሳ


ፋይል-
ፋይል-

ኵናት ዩክሬን ካብ ዝጅምር ንደሓር እቲ ዝጸዓቐ መጥቃዕታት ድሮናት ምዃኑ ኣብ ዝተሓበረ መጥቃዕቲ፡ ናብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ሩስያ፡ 188 ቦምባታት ድሮን ናብ በበይኑ ስፍራታት ዩክሬን ምትኳሳ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

መብዛሕትኡ እቲ ቦምባታት ብጸረ-ተተኳሲ ምፍሻሉ ዝገለጹ ኣዘዘቲ ሰራዊት ዩክሬን፡ ንኸም መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝኣመሰሉ ህንጻታት ግን ከም ዝሃሰየ ኣመልኪቶም።

ሩስያ ን17 ስፍራታት ዒላማ ዝገበረት ኰይና፡ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮድልየር ዘለንስኪ ድሒሩ ገሊጹ። መስርሕ ምድሓን ካልኦት ኣብቲ ፍርስራስ ህንጻታት ዝተደብዩ ዜጋታት ይቕጽል ምህላዉ'ውን ዘለንስኪ ሓቢሩ።

ሩስያ ኣብ ቀረባ ግዜ መጥቃዕቲ ድሮናት የሐዪላ ከም ዘላ ይፍለጥ። ኣብ መሬት’ውን ብዙሕ ስፍራ ተቖጻጺራ ምህላዋ ኣሶሸይትድ ፕረስ የመልክት።

ሓያሎ ካብ መደበራት ጸዓት ዩክሬን ኣብ ዝዓነወሉ፡ ዝመጽእ ቆራሪ ወቕቲ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ምስ ምምጻእ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ጥሪ ካብ ኣመሪካ ክውሕዝ ዝጸንሐ ሓገዝ ክቕጽል እንተዀይኑ’ውን ዛጊት ኣይነጸረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG