ዋሽንግተን —
ሎሚ ናብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዩክሬን ዝተተኮሰ ሚሳይላት ሩስያ ብውሕዱ 20 ሰባት ከም ዝቐተለን ልዕሊ 50 ካልኦት ከም ዘቑሰለን ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም። ሓደ ካብቲ ሚሳይላት ኣብ ርእሰ-ከተማ ኪየቭ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ቆልዑት ከም ዝወደቐ`ውን ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድምር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ልዕሊ 40 ዝኸውን ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ ሚሳይላት፡ ንሓሙሽተ ከተማታት ዩክሬን ዒላማ ከም ዝገበረን ህንጻታትን መንግስታዊ ትካላትን ከም ዘዕነወን ጠቒ `ሎ። ዘለነስኪ “ ዓለም ነቲ ሩስያ ትገብሮ ዘላ ነገራት ብትዕግስቲ ክርእዮ ዝግባእ ኣይኮነን “ ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕላ ኔቶ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን`ዩ። እቲ ዋዕላ ድማ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ንዩክሬን ዘለዎ ዘይዕጸፍ ድጋፍ ብምርኣይ ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ዋና ከተማ ኪየቭ ዝተፈጸመ ደብዳብ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዩክሬን ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ቅጥዒ