ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፡ ጠንቂ አብ ግብጺ ዝወደቐት ነፋሪት ነታጕ'ዩ ትብል


ጠንቂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ግብጺ በረኻ ሲናይ ዝወደቐት ነፋሪት ተግባር ግብረ -ሽበራ እዩ ኢሎም ሓላፊ ጸጥታ ሩሲያ።ብመሰረት ኣብ ክልተ ዝተሰባበሩ ኣካላት እታ ነፋሪትን ኣብ ሻንጣን ዝተረኸበ ምልክት እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ዝተበታተነት ኣብ ሻንጣ ብዝተጻዕነ ቦምብ ተፈንጂሩ እዩ ይብሉ ክፍሊ ጸጥታ ሩስያ።

ዳይረክተር ፌደራል ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ /FSB/ ኣሌግዛንደር ቦርትኒኮቭ ጠንቂ እቲ ፍንጀራ ክሳብ ሓደ ኪሎ ግራም ዝምዘን ካብ TNT ብዝተሰርሐ ግን ኸአ ዝተመሓየሸ ቦምብ እዩ ኢሎም።ሩሲያ ፈጸምቲ እዚ ተግባር ሽበራ ኣብ ቁጽጽር ክውዕሉ ሓበሬታ ንዝሃበ 50 ሚሊዮን ዶላር ንምሽላም መዲባ’ላ።

ካብ ናይ መዘናግዒ ከተማ ሻርም ኤል-ሸኽ ተላዒላ ናብ ሰይንት ፐትስበርግ ሩሲያ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ሲናይ ዝወደቐት ናይ ሩሲያ ሜትሮጀት ነፋሪት ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 224 ሰባት ኩሎም ሞይቶም'ዮም።

ብተወሳኺ ዳዕሽ ሓላፍነት ምውሳዱ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG