ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑቲን ሃገራት ደምበ ብሪክስ ንምልውዋጥ እኽሊ ከካይዳ ዘኽእል ውጥን ኣቕሪቦም


ኣብ ካዛን ሩስያ ዝቃናዕ ዘሎ ኣኼባ ሃገራት ብሪክስ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሩስያ ንምምስራት ደምበ ብሪክስ ዝወጠነት ንምልውዋጥ እኽሊ ኮይኑ ድሒሩ ናብ ንግዲን ካልኦት ፍርያት ንምዕባይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

“ሃገራት ደምበ ብሪክስ ካብ ዓበይቲ ኣፍረይቲ እኽሊ፡ ኣእካልን ፍረታት ዘይቲን’ዮም። በዚ መሰረት ድማ ሃገራት ብሪክስ ምልውዋጥ እኽሊ ክጅምራ እማመ ዝቐረበ፡” ኢሎም።

ፕረዚደንት ፑቲን ወሲኾም እዚ ድማ ከም ውጽኢቱ ርትዓዊን ምግማቱ ዝኽኣል ዋጋ ፍርያትን ጥረ ነገራትን ክህሉ ከም ዝሕግዝ እዚ ድማ ኣብ ውሕስነት መግቢ ፍሉይ ተራ ከም ዝህሉዎ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እዚ ተበግሶ ሃገራዊ ዕዳጋ ኣብ ምክልኻልን ኣሉታዊ ምትእትታው ዘይባህርያዊ ሕጽረት መግቢ ኣብ ምፍጣር ከም ዝከላኸል ሓቢሮም።

ካልእ ተወሳኺ መድረኽ ንሓጺንን ኣልማዝን ከም ዝዳለው ኣብ መንጎ ሃገራት ደምበ ብሪክስ ድማ ናይ ወፍሪ መድረኽ ክዳለዉ ድሌት ከምዘለዎም ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG