ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑቲን ሃገራት ደምበ ብሪክስ ንምልውዋጥ እኽሊ ከካይዳ ዘኽእል ውጥን ኣቕሪቦም


ኣብ ካዛን ሩስያ ዝቃናዕ ዘሎ ኣኼባ ሃገራት ብሪክስ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሩስያ ንምምስራት ደምበ ብሪክስ ዝወጠነት ንምልውዋጥ እኽሊ ኮይኑ ድሒሩ ናብ ንግዲን ካልኦት ፍርያት ንምዕባይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

“ሃገራት ደምበ ብሪክስ ካብ ዓበይቲ ኣፍረይቲ እኽሊ፡ ኣእካልን ፍረታት ዘይቲን’ዮም። በዚ መሰረት ድማ ሃገራት ብሪክስ ምልውዋጥ እኽሊ ክጅምራ እማመ ዝቐረበ፡” ኢሎም።

ፕረዚደንት ፑቲን ወሲኾም እዚ ድማ ከም ውጽኢቱ ርትዓዊን ምግማቱ ዝኽኣል ዋጋ ፍርያትን ጥረ ነገራትን ክህሉ ከም ዝሕግዝ እዚ ድማ ኣብ ውሕስነት መግቢ ፍሉይ ተራ ከም ዝህሉዎ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እዚ ተበግሶ ሃገራዊ ዕዳጋ ኣብ ምክልኻልን ኣሉታዊ ምትእትታው ዘይባህርያዊ ሕጽረት መግቢ ኣብ ምፍጣር ከም ዝከላኸል ሓቢሮም።

ካልእ ተወሳኺ መድረኽ ንሓጺንን ኣልማዝን ከም ዝዳለዉ ኣብ መንጎ ሃገራት ደምበ ብሪክስ ድማ ናይ ወፍሪ መድረኽ ክዳለዉ ድሌት ከምዘለዎም ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ ፕረዚድነት ቭላድሜር ፑቲን ፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠዪብ ኤርደዋንን ንምሕዳስ ምግዕዓዝ እኽሊ ብመንገዲ ጸሊም ባሕሪ ኣመልኪቶም ዘትዮም ኣለዉ።

ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ኣፍሪቃን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ዝሓልፍ ዝነበረ እኽሊ፡ ሩስያ ኣብ ለካታቲ 2022 ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ ከም ዝተቛረጸ ይዝከር።

እንተዀነ ድሕሪ ምቍራጽ እቲ መስመር ዋጋታት እኽሊ ክንህር ምርኣዩ ይዝከር። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቱርኪን ንዳግም ምሕዳስ እቲ መስመር ክጽዕራ እንከላዋ፡ ሩስያ ግን ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ተበጺሑ ዝነበረ ውዕል ምፍቃድ እቲ መስመር ንእኽሊን ድዅዒን ሰሪዛ ደው ንኽብል ገይራ’ያ።

(ንውዕል ጸሊም ባሕሪን ምስግጋር እኽሊን ኣካቲቱ ዝተሓደሰ)

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG