ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ወ/ጉዳያት ሩስያ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ይዘራረብ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ናብ ሰሜን ኮርያ ብምጕዓዝ ምስ መራሒ’ታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ተራኺቡ ከም ዝዘተየ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ “ኣንጻር ተጻባኢ” ዝበሉዎ ፖሊሲታት ኣመሪካ ሓድነቶም ከትርሩ ምስምማዖም `ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ወግዓዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ዝዀነ ታዝ፡ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ከም ዝቐጸለ ኣመልኪቱ። ዝርዝር ናይ ዝተዘራረቡሉ ዛዕባ ግን ኣየስፈረን።

ትማሊ ረቡዕ ናብ ፒዮንግያንግ ዝኣተወ ላቭሮቭ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ኲናት ኣንጻር ዩክሬን ዘርኣየቶ ሓገዝ መጒሱ ኣሎ። ሃገሩ ንሰሜን ኮርያ ዘለዋ ኩሉ-መዳያዊ ድጋፍ’ውን እቲ ሩስያዊ በዓል ስልጣን ገሊጹ`ሎ።

መገሻ ላቭሮቭ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ክፍጸም ዝኽእል ምብጻሕ ቭላድሚር ፑቲን ናብ ሰሜን ኮርያ መንገዲ ንምጥጣሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ሮይተርስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ሩስያ በጺሑ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ምርኻቡ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG