ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፡ ንስጉምቲ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዘይትወስድ ፕረዝደንት ፑቲን ኣፍሊጦም


ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ሞስኮ- ሩስያ
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ሞስኮ- ሩስያ

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ሩሲያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ጣልቃ ብምእታዋ ን35 ዲፕሎማት ምብራር ሓዊሱ ስጉምቲ ወሲዶም።ናይ ሩሲያ ፕረዝደንት ቪላድሚር ፑቲን ግን ሞስኮ ንዲፕሎማት ኣሜሪካ ኣይክትሰጉግን እያ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ናይ ሩሲያ ትካላት ስለያ ጣልቃ ብምእታው ንናይ ፓርቲ ዲሞክራት ኮምፒተራት ሰሊዮም ኣብ ምርጫ ተፅዕኖ ኣሕዲሮም ክብሉ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ስጉምቲ ወሲዶም ኣለው።

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ከቢድ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ሩሲያ ኤጀንስታት ስለያ ማዕቐብ ብምንባር፣ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ሳን ፍራንሲስኮን ዝርከቡ 35 ዲፕሎማት ቆንስል ሩሲያ ኣብ ውሽጢ 72 ስዓታት ካብ ኣሜርካ ክወፁን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ክልተ ህንፃታት ድማ ክዕፀውን ትማሊ ሓሙስ ኣዚዞም።

ሚኒስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ንኤቭገኒ ቦጋቸቭን ኣሌክሲ በላንን ብኮምፒተር ኣቢሎም ካብ ባንክታትን ኩባኒያታትን ኣሜሪካ ካልኦት ትካላት ኣሜሪካን ልዕሊ 100 ሚሊዮን ዶላር ዝሰረቑ ‘ሓደገኛ ገበነኛታት’ ኢሉ ብምፅዋዕ እገዳ ኣንቢሩሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብመንግስቲ ሩሲያ ዝውነኑ ዝበሎም ኣብ ሜሪላንድን ኒው ዮርክን ንመዘናግዒ ዝጥቀምሎም ክልተ ቀፅርታት እውን ሰበስልጣን ሩሲያ ንኸይጥቀምሎም ተኸልኪሎም ኣለው።

እዚ ኣሜሪካ እትወስዶ ናይ መወዳእታ ግብረ መልሲ ኣይኮነን ዝበሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ንህዝቢ ዕላዊ ዘይኮኑ ካልኦት ስጉምትታት እውን ክውሰዱ እዮም ኢሎም።

ናይ ሩሲያ ፕረዝደንት ቪላድሚር ፑቲን ግን ሃገሮም ንናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማትን ከምዘይተባርር ገሊፆም። ብመሰረት ካብ ክረምሊን ዝወፀ መግለፂ “ንኣሜሪካዊያን ዲፕሎማት ሽግራት ኣይንፈጥረሎምን፤ንዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይነባርርን’’ ኢሎም ።

እቲ መግለፂ ብተወሳኺ ‘ብፖሊስታት ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ርክባት ሩስያን ኣሜሪካን ዘሕዊ ቀጻሊ ስጉምትታት ንምውሳድ ተዳሊና ኣለና’ይብል።

ሩሲያ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ምርጫ ጣልቃ ኣትያ ንዝብል ኽስታት ዝሓጨጭሉ ክትኸውን ኸላ ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ኩነታት መብርሂ ንምርካብ ምስ መራሕቲ ስለያ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝራኸቡ ትማሊ ሓሙስ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG