ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብምኽትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ዝተመርሐ ጕጅለ ኤርትራ በጺሑ


ብምኽትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ምኽትል ኣድሚራል ቭላድሚር ካሳቶኖቭ ዝምራሕ ልኡኽ ትማሊ ሰኑይ ከተማ ምጽዋዕ ምእታዉ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ጸብጺቡ።

እቲ ልኡኽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምጽዋዕ ክኣቱ እንከሎ ንሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ዝርከቦ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ተቐቢሎምዎ። “እቲ ተልእኾ ኣካል ናይቲ ናይ 30 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ኤርትራን ሩስያን’ዩ” ዝበለ መንግስታዊ መራኸቢ፡ ካልእ ዝርዝር ኣይሃበን።

ኣቐዲማ ካብ 28 መጋቢት ኣትሒዛ’ውን ወታሃደራዊት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ምጽዋዕን ካልእ ገምጋም ባሕሪ ኤርትራን ዑደት ክትገብር ምቕናያ ይዝከር።

ንዑደት እዚ ወታሃደራዊ ጉጅለ ኣመልኪቱ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ዝምልከቶም ሰብ-መዚ መንግስቲን ካልኦት ብቐረባ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ዛጊት ኣይቀንዐን።

ድሕሪ ምጅማር ወራር ዩክሬን ዝምድና ሩስያን ኤርትራን እናሓየለ ምምጻኡ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩስያ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሩስያ ካብ ዩክሬን ጠቕሊላ ክትወጽእ ዝእምም ውሳነ ኣብ ዘቕረበትሉ 141 ሃገራት ነቲ ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያ፡ ኤርትራ፡ ማሊ፡ ኒጋራጓን ሩስያን ምቅመን ይዝከር።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብ ወርሓት ግንቦትን ነሓስን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንሩስያ ገይሹ ምስ ፕረዚደንት ቭላሚር ፑቲን ተራኺቡ ነይሩ’ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብሓባር ንምስራሕ ምስምምዖም `ውን ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ ኔሩ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG